ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንመንግስታት ሶማልን ኒጀርን፣ ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ክገብር ይምድብ

Radio Erena: 26 March 2023

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንመንግስታት ሶማልን ኒጀርን፣ ናይ ከበድቲ ኣጽዋር ሓገዝ ክገብር መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።
ንጸጥታን ድሕነትን ዘማእከለ ዘተ ኣብ ከተማ ብራስለስ ኣብ ዝተኻየደሉ፣ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሰፍ ቦረል ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ እቲ ሕብረት ካብ ዲፕሎማስያዊን ፋይናንስያዊን ሓገዝ ሓሊፉ፣ ከበድቲ ኣጽዋር እውን ክሕግዝ ዘኽእሎ ናይ ፖሊሲ ምትዕርራይ ይገብር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ሩስያ ኣብ ዩክረይን ድሕሪ ዘካየደቶ ወራር፣ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ናይ ወጻኢ ዝምድናታቱ ምትዕርራይ ክገብር ከምዘለዎ ምእማኑ ዝገልጽ ጆሰፍ ቦረል፣ ተመሳሳሊ ሓገዝ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ዘይለኣኸሉ ምኽንያት ከምዘየለ ሓቢሩ።
ሓያሎ ኤውሮጳውያን ዲፕሎማሰኛታት ነቲ እማመ ድሮ ነጺጎሞ ኣለዉ። ‘ኲናት ዘምጽኦ ዳይናሚካዊ ለውጢ ንምእማቱ ኣጸጋሚ ስለዝኾነ፣ እቲ ከበድቲ ኣጽዋር ናብ ዘይተመደበሉ ወገን ክኣቱ ይኽእል እዩ፣ ብምባል ስግኣቶም ዝገልጹ እቶም ዲፕሎማሰኛታት፣ ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ዘይተዳለወሉ ኲናት ክኣቱ ይኽእል’ዩ ኢሎም።
ጸጥታዊ ድሕነት ኣፍሪቃውያን ማዕረ ካልኦት ህዝብታት ኣገዳሲ እዩ ዝብሉ ካልኦት ወገናት፣ ሕብረት ኤውሮጳ ንሶማልን ኒጀርን ናይ ኣጽዋር ደገፍ እንተገይሩ፣ ብሓቂ ናይ ፖሊሲ ምትዕርራይ ገይሩ ማለት’ዩ ብምባል፣ ደገፎም ገሊጾም።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፣ ብዝሒ ሃገራዊ ሰራዊት ሶማል፣ ልዕሊ 30 ሽሕ ክበጽሕ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን መራሕቲ ዞባታትን ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ተገሊጹ እዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0