ሶማል፣ ብዝሒ ሃገራዊ ሰራዊት ልዕሊ 30 ሽሕ ክበጽሕ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ

Radio Erena: 24 March 2023

ሶማል፣ ብዝሒ ሃገራዊ ሰራዊት ልዕሊ 30 ሽሕ ክበጽሕ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን መራሕቲ ዞባታትን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

ብመሰረት እቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ከምዝተበጽሐ ዝንገር ዘሎ ስምምዕ፣ መንግስቲ ሶማል 40 ሽሕ ኣባላት ፖሊስ ከሰልጥን’ዩ።

ኣቐዲሙ ኣብ 2017 ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ፈደራላዊ መንስግስቲ 18 ሽሕ ኣባላት ሰራዊትን 32 ሽሕ ድማ ኣባላት ፖሊስን ከሰልጥን ዝፈቕድ’ዩ።

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ርእሰ ምምሕዳራትን ዞባታትን ሶማልን ንሓያሎ ዓመታት ብሰንኪ ዘሎ ዘይምትእምማን፣ ነፍሲ ወከፎም ዝውንንዎም ብዝሒ ዕጡቓት ዝድርት ስምምዓት ክካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቲ ስምምዓት፣ ርእሰ ምምሕዳራትን ዞባታትን ሶማል’ውን ነፍሲ ወከፍን ነናይ ገዛእ ርእሰን ሚሊሻታት ክውንና ዝፈቕድ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ብዝሒ ዕጡቓትን ዝውነን ኣጽዋርን ብዝምልከት ዘይምትእምማን ጸኒሑ’ዩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ኣልሸባብ ንምድምሳስ ምስ ርእሰ ምምሕዳራትን ዞባታትን ፈጢርዎ ብዘሎ ሓድሽ ኪዳን፣ ናብ ምትእምማን ከምዘምርሐ ዝገልጹ ተንትተንቲ፣ ብዝሒ ሃገራዊ ሰራዊት ንምዕባይ ናብ ዝብል ስምምዕ ደሪኹ ክኸውን ከምዝኽእል የረድኡ።

ብዘይካ’ቶም ብቱርኪ ኣብ ሶማል ዝስልጥኑ ዘለዉ ኣሽሓት ኣባላት ፖሊስን ሰራዊትን፣ መንግስቲ እታ ሃገር፣ ናብ ኤርትራ ልዕሊ 5 ሽሕ፣ ናብ ኡጋንዳ፣ ድማ ኣስታት 3 ስሕ ወትሃደራት ብምልኣኽ ኣሰልጢኑን የሰልጥን ኣሎን።

ብዘይካ’ዚ፣ ልዕሊ 6 ሽሕ ሶማላውያን፣ ናብ ኢትዮጵያን ግብጺን ተላኢኾም ወትሃደራዊ ስልጠና ክወስዱ ምዃኖም ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እታ ሃገር የመልክት።

ሶማል፣ ኣሽሓት ዜጋታታ ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብምልኣኽ ወትሃደራዊ ስልጠና ክወስዱ ትገብር ዘላ፣ ነቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ ዓመት 2024 ጠቕሊሉ ክወጻእ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣስታት 30 ሽሕ ብዝሒ ወትሃደራት ዘለዎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምትካእ ምዃኑ ይእመን።
=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0