Radio Erena: 30 June, 2014

መንግስቲ እስራኤል ፍሉያት ሓይልታት ብምውፋር፣ ነቶም ኣብ ሲናይ ተቓውሞ ዘካይዱ ዘለዉ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብሓይሊ ኣብ መካይን እናጸዓነ ናብቲ ተዳጕኖምሉ ዝነበሩ ሖሎት ክመልሶም ጻዕርታት የካይድ ኣሎ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ’ቶም ስደተኛታት’ውን ጎነጽ ይጥቐም ኣሎ። ብዘንብዕ ጋዝን ሓያሎ ኤርትራውያን ሃለዋቶም ከምዘጥፍኡ’ውን ተረጋጊጹ ኣሎ።
ንተወሳኺ ጸብጻብ፣ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና ተኸታተሉ።
====================================
