ብሪጣንያ፣ ካብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ዝጸንሐ ጫት ብሕጊ ደው ኣቢላቶ

ብሪጣንያ፣ ካብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ዝጸንሐ ጫት ብሕጊ ደው ኣቢላቶ

Radio Erena: 30 June, 2014

chat

ብሪጣንያ ካብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ዝጸንሐ ጫት፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ብሕጊ ከምዝኸልከለቶ ኣፍሊጣ።

ጫት ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኤውሮጳ ብህጊ ኩልኩል እኳተኾነ፣ ናብ ብሪጣንያ ግና ብሕጋዊ መንገዲ’ዩ ክኣቱ ጸኒሑ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ግና መንግስቲ እታ ሃገር ብዘውጽኦ ሓድሽ ሕጊ መሰረት፣ ጫት ብደረጃ ሐ ዝጥመት ምስ ኣወላፊ ዕጸፋርስ ስለዝተመደበ፣ ናብ ብሪጣንያ ከይኣቱ ኣጠንቒቓ።

እዚ ኣብ መንጎ ኣብ ብሪጣንያ ዝነብሩ ኢትዮጵያንን ሶማላውያንን ዝውቱር ኮይኑ ዝጸንሐ ጫት፣ ካብ ብሪጣንያ ሓሊፉ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ፈረንሳ ናብ እትርከበን ጎረባብቲ ብሪጣንያ ዝኾና ሃገራት’ውን ክኣቱ ጸኒሑ’ዩ።

 

ኣብ ብሪጣንያ ጫት ክጥቐም ዝተረኽበ ዝኾነ ሰብ ድማ ካብ 60 ፓውንድ ክሳብ 2 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ብሰደድ ጫት ዓመታዊ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራ እቶት ከምእትረክብ ይፍለጥ።

ጫት ኣብ ኤርትራ ዝውቱር እኳ እንተዘይኮነ፣ መንእሰያት ኤርትራ ናብ ስደት ኣብ ዝውሕዝሉ ዘለዉ እዋን ግና ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን ብብዝሒ ከዘውትርዎ ይርኣዩ’ዮም።

ኣብ ከባቢ ዓሰብ ዝርከቡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ’ውን ጫት ከዘውትሩ ጀሚሮም ምህላዎም’ዩ ዝጥቐስ።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0