ሎሚ ካብ ሰዓታት ወጋሕታ ዝጀመረ፣ ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ፣ ጽዑቕ ደብዳብ ተኻይዱ

Radio Erena: 13 November 2020

ሎሚ ካብ ሰዓታት ወጋሕታ ዝጀመረ፣ ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ፣ ጽዑቕ ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።

እቲ ናይ መዳፍዓት ምዃኑ ዝተገልጸ ደብዳብ፣ ካብ ሎሚ ንግሆ ጀሚሩ ክሳብ ድሕሪ ቀትሪ፣ ብጽዑቕ ከምዝቐጸለ ዝሓበሩ ምንጭታት፣ ብዝያዳ ንከባቢ ሓምቦኳ ዘነጻጸረ ምንባሩ ገሊጾም።

ሓምቦኳ፣ ኣስታት 6 ኪሎሜተር ንደቡብ ካብ ሰንዓፈ ርሒቃ እትርከብ ዓዲ’ያ።

ዓዲ ባዕከር ‘ውን ተመሳሳሊ ደብዳብ ከምዝዓለባ ተመልኪቱ።

ሓውሲ ከተማ ዛላምበሳ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፈደራላዊ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም እትርከብ’ዩ ዝሕበር ዘሎ።

እቲ ደብዳብ ካብ ውሽጢ ትግራይ ዝተወንጨፈ ክኸውን ከምዝኽእል’ውን ይግመት።

እዚ ሎሚ ወጋሕታ፣ ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ ኣብ ዝርከባ ዓድታት ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ነቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዓመተ ምህረት ዝተኻየደ ኵናትን፣ ዝፈጠሮ ምምዝባልን የዘኻሮም ከምዘሎ ነበርቲ ብምረት ይገልጹ።

ኣብ ከባቢ ባድመን ብሸነኽ ኣምሓጀርን’ውን ተመሳሳሊ ደብዳባት ይካየድ ምህላዉ ይጥቀስ እኳ እንተሎ፣ ራድዮ ኤረና ዛጊት ከተረጋግጾ ኣይከኣለትን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Solomon 3 years ago

    Debdab tetew ybel bihitsuts. Sikay nitsuhat sebat yakil. Entay zigebre hizibi eyu motin sikayn teferiduwo zelo hzbi eritean hzibi tigrayn.