ሆስፒታል ሰንዓፈ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ብዝተወግኡ ወትሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዕለቕሊቑ

Radio Erena: 18 November 2020

ኣብ ሰንዓፈ ዝርከብ ሆስፒታል፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኵናት ትግራይ ብዝተወግኡ፣ ወትሃደራውት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዕለቕሊቑ ከምዘሎ ራድዮ ኤረና ከተረጋግጽ ክኢላ።

እቲ ሆስፒታል፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ናብ ማእከል ወትሃደራዊ ሕክምና ተቐይሩ ምስ ምህላዉ፣ ሕዱር ሕማም ንዘለዎምን ተኣለይቲ ናይቲ ሆስፒታልን እንተዘይኮይኑ፣ ነበርቲ ሰንዓፈን ከባቢኣን፣ ኣስታት 25 ኪሎ ሜተር ርሒቃ ናብ እትርከብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ፣ ኣብ ዘሎ ሆስፒታል ኣገልግሎት ክረኽቡ’ዩ ዝንገሮም ዘሎ።

ሆስፒታል ሰንዓፈ፣ ከም ኣካል ናይቲ ሕውየት ናይቲ፣ ኣብ 1998 ክሳብ 2000 ዓመት ምህረት ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ዝወረዳ ዕንወት ተባሂሉ፣ ብምወላ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓትን ሕብረት ኤውሮጳን ተሃኒጹ፣ ኣብ 2015’ዩ ስርሑ ጀሚሩ።

ተሓከምቲ እቲ ናይ ሰንዓፈ ሆስፒታል ዝነበሩ ሕሙማን፣ ምስቲ ምስ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ፣ ንኣስታት 8 ኣዋርሕ ተናዊሑ ምስ ዘሎ፣ ምቅንቓስ ህዝቢ ዝድርት ኣዋጅን ክብደት መነባብሮም ተደሚርዎ፣ ኣገልግሎት ሕክምና ንምርካብ ናብ ካልእ ከተማ ክመላለሱ ተወሳኺ ጾር ኮይኑዎም ይርከብ።

ከተማ ሰንዓፈ፣ ማእከል ወትሃራዊ መናሃርያ ኮይና፣ ህዝባ ኣብ ከቢድ ናይ ውግእን ወረ ውግእን ሻቕሎት’ዩ ተሸሚሙ ዝርከብ።

ብዛዕባ’ተን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ዝርከባ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ኤርትራ፣ ዛጊት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኳ ክርከብ እንተዘይክኣለ፣ ዘለውኦ ኩነታት ምስ ናይ ሰንዓፈ ተመሳሳሊ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Atesede 3 years ago

    ረዲዮ እሪና ብጣም ደሲ ዚብል አቀራሪብ ቀጺሉሉ እምበረ ደገፍፊት ይግደፊን ሲርስዓት እሳያሲን ዳአ ኤሪትራ እዳ አይእተወትን እነብሉ ይሀሉ ይውዕሉ አለው።ብተወሳኪ እቶም ዚተማረኩ ዲማ ተጋሩ እዮም ይብሉ አለው ብሐሶትን ዲንቁሪናን ዚተመለኤ ልሳኖም።