Radio Erena: Sunday, 18 February 2024
ኣብ ሆላንድ፡ ከተማ ሄግ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢን ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍን: ብቀዳም 17 ለካቲት፡ ምሸት፡ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት: ናይ ፖሊስ ዝርከብአን ብውሕዱ ሰለስተ መካይን ተቓጺለን።
ፖሊስ ነቲ ናዕቢ ንምቑጽጻር ኣብ ዝገበሮ ፈተነ፡ መካይን ከምዝተቓጸልኦ ኣረጋጊጹ።
ብዘይካ‘ዚ ዝተቓጸለት ኣውቶቡስ ከምዘላ ‘ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ ግጭት ድሕሩ ከምዝሃደአ ፖሊስ እኳ እንተሓበረ፡ ዝተጎድኡ ይኹኑ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ብዛዕባ ምህላዎም ዛጊት ኣየነጸረን።
እዚ ከምዚ‘ሉ እንከሎ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ከተማ ቻርሎት‘ውን ብ‘ብርጌድ ንሓመዱ‘ ዝተጠርነፉ ደለይቲ ለውጢ፡ ኣንጻር ምትእኽካብ ደገፍቲ ህግደፍ ተቓውሞ ኣካይዶም።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፡ ነቲ ጽልኢን ካልእ ፕሮፖጋንዳን፡ ከም ናይ ፖለቲካ መሳርሒ‘ዩ ዘገልግል ዝብልዎ ምትእኽኻባትን ፌስቲቫላትን ህግደፍ፡ ደው ንምባሉ፡ ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝጽዋዕ ናዕቢ ዝተሓወሶ ተቓውሞ ከምዘካይዱ‘ዮም ዝገልጹ።
COMMENTS