ህግደፍ፣ “ወያነ ጠቕሊሉ ምስ ተኣልየ፣ ምስኡ ምትሕሓዝ ዝነበሮም እሱራት ክንፈትሕ ኢና።” ዝብል ወረ የጋውሕ ምህላዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 05 November 2020

ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኤርትራ፣ ግፋ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ”ወያነ ጠቕሊሉ ምስ ተኣልየ፣ ምስኡ ብዝተሓሓዝ ዝተኣስሩ ኤርትራውያን” ክፍትሑ’ዮም ዝብል ወረ ይጋዋሕ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኸፈቶ ኵናት፣ “ኢሳይያስ’ውን ሰራዊት ንምስዳድ ይዳሎ ኣሎ። ሕጂ ኸ ወዲ መን’ዩ ክመውት? ክንደይ ስድራቤታት ከ ክዝኽትማ’የን? ዝብል ስክፍታት፣ ኣብ መላእ ሃገራት ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ህግደፍ ብወገኑ፣ “ወያነ ናይ መወዳእታ ምስ ተጸርገት፣ ንሓያሎ ዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ክፍትሑ’ዮም” ዝብል ወረ ይነዝሕ ከምዘሎ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣመልኪቶም።

እቲ ስርዓት፣ ኣብ መስከረም 2001 ዝኣሰሮም ሰበ ስልጣናቱ ነበርን ጋዜጠኛታት ናብ ብሕቲ ጋዜጣን፣ ናብ ቤት ፍርዲ እኳ እንተዘየቕረቦም፣ ብካድራቱ ኣቢሉ ምስ ወያነ ብምትሕብባሮም’ዩ ዝኸሶም።

ብደም ህዝቢ ምጽዋት ዝለመደ ስርዓት፣ ሕጂ’ውን ደም ህዝቢ ክኽዑ ይዳሎ ኣሎ ዝበሉ ሓያሎ ኤርትራውያን ወገናት ድማ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተኣዊጁ ዘሎ ኵናት ኮኒኖም።

ሓያሎ ኤርትራውያን ፖለቲካውን ውድባት፣ ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን በብወገንን፣ ነቲ ዝተኣወጀ ኵናት ብምኹናን፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ነዚ ብደም ደቁ ዝጻወት ስርዓት ከይእዘዝ ለበዋታት የሕልፉ ኣለዉ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት፣ ኣብ መወዳእትኡ ብፖለቲካዊ ዘተ ምፍትሑ ንዘይተርፎ፣ ህዝቢ ንምህላቕን ብደም ደቁ ንምጽዋትን ዝግበር ናይ ትዕቢት ፕሮፖጋንዳታትን ዘመተን ደው ክብል’ውን ኤርትራውያን ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓወታት ከምዝተጎናጸፈ ክገልጽ እንከሎ፣ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፣ ሓይልታት ጸጥትኡ፣ ኩሉ’ቲ ዘድሊ ኣጽዋር ዓጢዑ፣ ንናይ ውሽጥን ናይ ግዳም ሓይልታት ንምምካት ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ተፋንዮም ዝነበሩ ሰለስተ ጀነራላት ናብ ስራሕ ክምለሱ ጻውዒት ዘቕረበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ሓይልታት ጸጥታ ህወሓት፣ ካብ ኤርትራ ወራር ንዝተፈነዎም ንምምሳል፣ ንገለ ኣባላት ሓይልታቶም ናይ ኤርትራ ወትሃደራዊ ክዳን የልብስዎም ኣለዉ ክብል ገሊጹ።

ኵናት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን፣ ብፖለቲካዊ ዘተ ጥራይ ክፍታሕ ከምዝኽእል ዝምጉቱ ሓያሎ ኢትይጵያን ምሁራት ብወገኖም፣ ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ንውሽጣዊ ጉዳይ፣ ውልቃዊ ፖለቲካዊ ረብሓታት ንዘለዎም ናይ ግዳም ሓይልታት ኣሕሊፉ ምሃቡ ነቒፎም።

ኣብ ዶባ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓስኪረን ዝነበራ ገለ ኣሃዱታት ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ናብ ኤርትራ ክሰግራ ከምዝተኣዘዛ፣ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ገሊጹ ኣሎ።

ዶ/ር ደብረጽዮን፣ ብምዕራብ ትግራይ ውግእ ይቕጽል ከምዘሎ ብምምልካት፣ ብክልል ዓፈር’ውን ተደራቢ ሓይልታት ይልእኹ ምህላዎም ሓቢሩ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    መብራህቱ 3 years ago

    መቸም መንግስቲ ኤርትራ ኣብ’ዛ ኲናት ክኣትወልኩም ኢኹም ትጽልዩ ዘለኹም። መንግስትና ኲናት ተዝደሊ ነይሩ ቀደም’ዩ ክገብሮ ነይርዎ። ሕጅስ ብዓርሶም ኢዮም ክጠፍኡ።