‘ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ኣብ ጉዳይ ናይል ንመርገጺ ግብጺ ከምዝድግፋ ኣረጋጊጸን’

Radio Erena: 17 December 2021

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ንመርገጺ ግብጺ ከምዝድግፋ ምግላጸን ኣል ሞኒተር ሓቢሩ።

ጎኒ ጎኒ’ቲ መራሕቲ እተን ሽዱሽተ ሃገራት፣ ብ14 ታሕሳስ፣ ኣብ ሪያድ ዘካየድዎ ዞባዊ ዋዕላ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ’ውን ኣብ ዙርያ ቤት ምኽሪ ምትሕብባር ወሽመጥ ከምዝዘተዩ ማዕከናት ዜና ግብጺ ጠቒሰን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፣ ሳምሕ ሾክሪ ምስ ሚኒስተራት ሃገራት ወሽመጥ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕብ ዘሎ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶን ንመርገጺ ግብጺ ከምዝድግፋ ከምዘረጋገጻሉ እተን ማዕከናት ዜና ኣገንዚበን።

ቀንዲ ዛዕባ መበል 42 ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ኣብ ጉዳይ ኢራን፣ ጸጥታን ስትራቴጃዊ ዝምድናን ዘተኮረ’ዩ ኔሩ።

ንእግረ መንገዱ ድማ ንሃገራት እቲ ዞባ ክጸልወን ዝኽእል ዝተፈላለየ ኣርእስታት ከምዘልዓላ ተሓቢሩ።

=======================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0