ዴንማርክ፡ ኤርትራዊት ኣደ፡ ኣብ ቅድሚ ደቃ፡ ብበዓል ቤታ ተቐቲላ

Radio Erena: 16 December 2021

ኣብ ዴንማርክ፣ ከተማ ኦሩስ: ቪቢይ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ጓል 28 ዓመት ኤርትራዊት ኣደ ብበዓል ቤታ ከምዝተቐትለት ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ::

እታ ስማ ዘይተገልጸት ኣደ፣ ትማሊ ረብዕ 16 ታሕሳስ፣ ብወዲ 38 ዓመት በዓል ቤታ ብካራ ከምዝተቐትለት እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ::

ፖሊስ፣ ገበን ኣብ ዝተፈጸመሉ መንበሪ ቤት ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን፣ ክልተ ቆልዑ ከምዝረኸበን እቲ ቅትለት ኣብ ቅድሚኦም ከምዝተፈጸመን ኣረጋጊጹ::

ጓል ኣርባዕተ ዓመት ሓንቲ ካብቶም ክልተ ቆልዑ፣ ኢዳ ብካራ ከምዝተወግአት ዝጠቐሰ ጸብጻብ ፖሊስ፣ ቀታሊ ኣቦ ‘ቶም ቆልዑ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ፖሊስ፣ ነታ ኣደ ብቕጽበት ናብ ሆስፒታል እኳ እንተብጽሕዋ፣ ክትድሕን ኣይከኣለትን::

እቲ ስሙ ዘይተገልጸ በዓል ቤት፣ ብቕትለት ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከብ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Michael Tweldebrhan 2 years ago

    Rip Eritrean people, this world hates Eritrean