ሊብያ፣ ልዕሊ 20 ኤርትራውያን ናይ ምስጓግ ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 17 December 2021

ኣብ ሊብያ፣ ኣብ ፈቐዶ መዳጎኒ ማእከላት ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ኣሽሓት ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣስታት 20 ኤርትራውያን ናይ ምስጓግ ሓደጋ ኣንጸላልዩዎም ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቶም ደቂንስትዮ ዝርከብኦም ኤርትራውያን፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዞም፣ ንበይኖም ተፈልዮም ናብ ካልእ መዳጎኒ ማእከል ከምዝተወስዱ ዘመልከት ሕቡራት ሃገራት፣ ድሮ’ውን ናብ ኤርትራ ተሰጕጎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣተሓሳሲቡ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት -UNHCR፣ ኣቐዲሙ፣ ኣብ 10 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ 18 ዜጋታት ሱዳን ካብ ሊብያ ብዘይድለቶም ናብ ዓዶም ከምዝተመልሱ ብምጥቃስ፣ 24 ኤርትራውያን’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ ኔሩ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ‘ውን 19 ዜጋታት ሱዳን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተሰጕጎም’ዮም።

ኣብታ ሃገር፣ ኣብ ዝተፈላለየ መዳጎኒ ማእከላት ዝርከቡ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዘለዉዎም፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ሶማልን ቻድን፣ ብዘድሌቶም ነናብ ዓዶም ክስጎጉ ከምዝኽእሉ እቲ ኣህጉራዊ ትካል የጠንቅቕ።

ስእሊ፦ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0