ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓደ ናይ ሓባር ባጤራ ክጥቀማ እማመ ቀሪቡ

Radio Erena: Friday, 11 June 2023
ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓደ ናይ ሓባር ባጤራ ክጥቀማ ዝቐረበ እማመ፤ ብዕቱብ ክስራሓሉ ክጅምር’ዩ ክብል ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊጹ።
ኮሚሽነር ቁጠባዊ ምዕባለ፤ ንግድን ቱሪዝምን’ቲ ሕብረት ኣልበርት ሙቻንጋ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዘስመዖ መደረ፤ እቲ ብ2021 ንማክሮ ቁጠባ ውህደት ብዝምልከት ዝጸደቐ ሓሳብ፤ ናብ ናይ ሓባራዊ ባጤራ ዝወስድ መንገዲ ምንባሩ ኣመልኪቱ።
ንሱ፤ ኣብ መበል 22 ዋዕላ ሓባራዊ ንግዲ ምብራቓዊን ደቡባዊን ኣፍሪቃ (ኮሜሳ) ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ መስርሕ ምህናጽ ሓባራዊ ባጤራ፤ ብኢንስቲትዩት ማዕከን ገንዘብ ኣፍሪቃ ክካየድ እዩ ኢሉ።
ቤት ጽሕፈት’ቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ናይጀሪያ ከምዝኸውን፤ እቲ ኮሚሽነር ብተወሳኺ ገሊጹ።
ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ 2021 ንሕብረት ኣፍሪቃ ብዝኣተዎ ቃል መሰረት፤ ኣብ ምምስራት ኢንስቲትዩት ባጤራ ኣፍሪቃ ልዑል ተራ ክጻወት ትጽቢት ይግበረሉ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሓድሕደን ኣብ ዝገብርኦ ናይ ንግዲ ልውውጥ፤ባጤራ ዶላር ብምጥቃመን ብዝበጽሐን ዘሎ ክሳራታት ብምምራር፤ ካልእ ኣማራጺ ኣብ ምድላይ ተጸሚደን ምጽነሐን ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0