‘ሃረር’ ዝተሰምየት መርከብ ኢትዮጵያ ኣብ ወደብ ባጽዕ ተራእያ

Radio Erena: 24 June 2022

‘ሃረር’ ዝተሰምየት መርከብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወደብ ባጽዕ ከምዝተራእየት ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

እታ ናይ ጽዕነት መርከብ፣ ብ15 ሰነ ናብ ወደብ ባጽዕ ከምዝተጸገዐት ዘረጋገጹ እቶም ምንጭታት፣ እንታይነቱ ዘይተፈልጠ ንብረት ኣራጊፋ ብ18 ሰነ ከምዝተኣልየት ሓቢሮም።

እቲ ዝተራገፈ ጽዕነት፣ ብዓበይቲ መካይን፣ ገሊኡ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ገሊኡ ድማ ናብ ኣስመራ ከምዝገዓዘ’ዩ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ዝተራገፈ ጽዕነት፣ ብካርጎ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተሰጋገረ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ጠቒሱ።

ዝበዝሐ ናይ ወደብ ኣገልግሎታታ ኣብ ጂቡቲ እትምርኮስ ኢትዮጵያ፣ ሳሕቲ፣ ንወደባት ባጽዕን ዓሰብን ሚስጢራዊ ንዝኾነ ጽዕነታት ከምእተእትወሉ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

==================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0