ፖሊስ ኬንያ፣ “ብዘይሕጋዊ ምስግጋር” ዝተጠርጠረ’ዩ ንዝበሎ ኤርትራዊ ከምዝቐየደ ተሓቢሩ

ፖሊስ ኬንያ፣ “ብዘይሕጋዊ ምስግጋር” ዝተጠርጠረ’ዩ ንዝበሎ ኤርትራዊ ከምዝቐየደ ተሓቢሩ

Radio Erena: 14 November 2017

Gebremeskel

ፖሊስ ኬንያ፣ “ብዘይሕጋዊ ምስግጋር” ዝተጠርጠረ’ዩ ንዝበሎ ኤርትራዊ ከምዝቐየደ ማዕከን ዜና ዘ ስታር ካብ ናይሮቢ ሓቢሩ።

ፖሊስ ኬንያ ብዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቲ ገብረመስቀል ካሕሳይ ባህታ ከምዝብሃልን ኤርትራዊ ምዃኑን ዝገለጾ ጥርጡር ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ’ዩ ናብ ኬንያ ኣትዩ።

ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ሒዙ፣ ካብ ኬንያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን ከኣ ብ5 ሕዳር ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ተታሒዙ።

ካብ 2011 ኣትሒዙ ኣብ መዝገብ ተደለይቲ ከምዝጸንሐ ዝሓበረ ፖሊስ ኬንያ፣ ነቲ ጥርጡር ኣብ ማእሰርቲ ክምርምሮ ብቤት ፍርዲ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ግዜ ከምዝተዋህቦ ኣምልኪቱ።

እንተኾነ እቲ ጥርጡር ካብ ዝተሓዝ ሎሚ ሻሙናይ መዓልቱ እኳ እንተኾነ፣ ብዛዕባኡ ዝምልከት ሓበሬታ ካብ ኬንያ ክርከብ ኣይከኣለን።

ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ’ውን ብዛዕባ እዚ ብኬንያ ተቐይዱ ዘሎ ዜግኡ ምዃኑ ዝተሓበረ ጥርጡር ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ፖሊስ ኬንያ ብተወሳኺ፣ እቲ ጥርጡር ኣቐዲሙ ካብ ዝተጓዕዘለን ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሞዛምቢክ፣ ታይላንድ፣ ዚምባብዌን ደቡብ ሱዳንን ካብ ኤምባሲታተን ናይ ጉዕዞ ሰነድ መረጋገጺ ክሳብ ዝእክብ ተወሳኺ ግዜ ክወሃቦ’ዩ ክሓትት ጸኒሑ።

እቲ ጥርጡር ኣብ 2005’ውን ካብ ኬንያ ተሰጉጕ ከምዝነበረ ዝሓበረ ጸብጻብ ፖሊስ፣ ሰለማዊ ሰብ ብምምሳል፣ መንግስቲ ኬንያ ክሰጎ ንዘሕለፎ ውሳኔ ተቓዊሙ ኣብ 2007 ናብ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ጥርዓን ኣቕሪቡ ኔሩ’ዩ።

እንተኾነ፣ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነዚ ዘቕረቦ ጥርዓን ብምንጻግ ካብ ሃገር ጠቕሊሉ ክውጽእ ከምዝወሰነሉ ይሕብር።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0