ፖሊስ ሱዳን ሽዱሽተ ዝተጨውዩ ኤርትራውያን ኣድሒኖም

ፖሊስ ሱዳን ሽዱሽተ ዝተጨውዩ ኤርትራውያን ኣድሒኖም

Radio Erena: 11 November 2014

Suda police

ፖሊስ ሱዳን፣ ኣብ ከሰላ ተጨዮም ዝጸንሑ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ናጻ ከምዘውጽኡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም ከባቢ ኣጥባራ ኣብ ዝርከብ ቦታ ንሓድሕዶም ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሽዱሽተ ኤርትራውያን፣ ፖሊስ ሱዳን ምስቶም ሒዞሞም ዝጸንሑ ዕጡቓት ድሕሪ ዘካየድዎ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ’ዮም ናጻ ክወጹ ክኢሎም።

ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ከሰላ ዑመር ኣል ሙክታር ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም ኤርትራውያን ናጻ ኣብ ዝወጽሉ ብጥሜትን ጽምእን ተሰኒፎም ከምዝጸንሑ ጠቒሱ።

 

ሓላፊ ናይቲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ዝቖመ ኣሃዱ፣ ሙርዋን ኣል ሑሰን ብወገኑ፣ ፖሊስ ሱዳን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ምስግጋርን ዘይሕጋውን መሸጣ ደቂ ሰብ ዝተዋፈሩ ዕጡቓት ከምዘለዎ ሓበሬታ ምስ ረኸበ ብኡ ንብኡ ግዜ ከይወሰደ ነቲ ስርሒት ከምዝፈጸሞ ንኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ኣብቲ ስርሒት ብዘይካ እቶም ናጻ ዝወጹ ሽዱሽተ ኤርትራውያን፣ ፒክ ኣፕ ዝዓይነታ መኪና፣ ኣብ ባኮታት ዝተዓሸገ ሽጋራን ጠበናጁን’ውን ከምዝተታሕዘ ተገሊጹ።

እንተኾነ እቶም ኣብ ምጭዋይን ምሻጥን ደቂ ሰብ ተዋፊሮም ዝጸንሑ ዕጡቓት፣ ድሕሪ’ቲ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ከምዝሃደሙ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣቐዲሙ’ውን ፖሊስ ሱዳን ኣብ ዘካየዶ ተመሳሳሊ ስርሒት 17 ኤርትራውያን ናጻ ከምዘውጽአ ዝዝከር’ዩ።

መንግስቲ ሱዳን ብዘተኣታተዎ ሓድሽ ሕጊ፣ ብምሽጣን ምስግጋርን ደቂሰብ ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ዜጋ እታ ሃገር ክሳብ 20 ዓመት ክእሰር ይኽእል’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ኣቐዲሙ በዚ ክሲ እዚ ዝተኣስረ ካብ ዓሌት ራሻይዳ ዝኽዕነ ሱዳናዊ፣ ብምትሕብባር ኣባላት ፖሊስን ዕጡቓት ራሻይዳን ካብ ቤት ማእሰርቲ ከሰላ ክሃድም ምኽኣሉ፣ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ሕጊ ብጽኑዕ ከተግብሮ ከምዘይክኣለ ሓያሎ ወገናት ይነቕፉ።
====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0