ፕ. ዩጋንዳ፣ ኣብ ሃገሩ ዑደት ንዘካየደ ቀ.ሚ. ኢትዮጵያ ዝለዓለ ናይ ክብሪ ሽልማት ሂቡ

ፕ. ዩጋንዳ፣ ኣብ ሃገሩ ዑደት ንዘካየደ ቀ.ሚ. ኢትዮጵያ ዝለዓለ ናይ ክብሪ ሽልማት ሂቡ

Radio Erena: 10 June 2018

abiy in ugandaፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮወሪ ሙሰቨኒ፣ ኣብ ሃገሩ ዑደት ንዘካየደ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝለዓለ ናይ ክብሪ ሽልማት ሂቡ።

ኣብቲ ኣብ ዩጋንዳ ዓመታዊ ዝካየድ ሃገራዊ መዓልቲ ሓርበኛታት ነቲ ናይ ክብሪ ስልማት ድሕሪ ምቕባሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሃቦ መደረ፣ ዝምድና ኢትዮጵያን ዩጋንዳን ኣብ ሓድሕድ ምክብባር ዝተሰረተ ደኣምበር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገር ኢድ ብምትእትታው ኣይኮነን ኢሉ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ 250 ውልቀ ሰባት ኣበርክቶኦም ኣብ ሰላምን ክብርን ዩጋንዳ ብወግዒ ንምፍላጥ መዳልያ ክቕበሉ እንከለዉ፣ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጒኒ ተዮዶር ኦቢያን ባሰጎ ከኣ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ናይ ክብሪ ስልማት ተቐቢሉ።

እቲ ካብ 2001 ዝጀመረ ሃገራዊ በዓል ሓርበኛታት ዩጋንዳ፣ ነቶም ኣብ ውግእ ሓድሕድ ካብ ክልቲኡ ወገናት ዝወደቑ ደቂ ሃገር ንምዝካር ዝተበገሰ ደኣ ይኹን እምበር፣ ካብዚ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ዮወሪ ሙሰቨኒ ናብ ስልጣን ንኽመጽእ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ውልቀሰባት’ውን ናይ ሓርበኝነት መዳልያ ክህቡ ከምዝጀመሩ ይንገር።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዑደቱ ብምቕጻል ሎሚ ሰምበት 10 ሰነ ናብ ግብጺ ከምርሕ ምዃኑ ኤምባሲ’ታ ሃገር ካብ ከተማ ካይሮ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብ ናይ ግብጺ ዑደቱ፣ ምስ ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን’ታ ሃገር ርክብ ከካዪድ ምዃኑ ተገሊጹ።

ዕላማ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ግብጺ፣ ነቲ ድሮ ተመስሪቱ ዘሎ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ንምድልዳል ምዃኑ መግለጺ’ቲ ኤምባሲ የብርህ። እንተኾነ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዘቃልሖኦ ዘለዋ ዜና፣ ንጉዳይ ኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ንክልቲኤን ሃገራት ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ጉዳይ ብዝምልከት ዘተ ንምክያድ ምዃኑ ይገልጻ።

ግብጺ፣ ኢትዮጵያ ንእትሃንጾ ዘላ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዝኾነ ዲጋ፣ ንሕርሻን መነባብሮን ግብጻውያን ክጎድእ’ዩ ብምባል ተቓውሞኣ ከተስምዕ ጸኒሓ’ያ። በዚ ዝተላዕለ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተፈጥረ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ዛጊት መዕለቢ ኣይረኸበን።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0