ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ንጥፈታቱ ይቕጽል

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ነቲ  ብተሳተፍቲ ስርሒት ፎርቶ ኣብ 21 ጥሪ ዝቐረበ ጠለባት፣ ብዕለት 6 ናይዚ ወርሒ’ዚ ናብ ድምጺ ሓፋሽ ብምድዋል ብቐጥታ ኣብ ኣየር ከም ዝስማዕ ምግባሮም፣ ኣካየድቲ’ቲ ፕሮጀክት ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም።

    እቲ መልእኽቲ፣
1) ቀጥታዊ ምፍታሕ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት
2) ምትግባር ‘ቲ ኣብ 1997 ብሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም
3) ምትካል ህዝባዊ ድሞክራስያዊ ስርዓት
4) ህጹጽ ምላሽ ንጠለባት ስራዊት ዝብል እዩ ኔሩ።
 
    ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ኣብ ብርክት ዝበለ ከባቢታት ከተማ ኣስመራ ካብ ሓደ መጋቢት 2013 ጀሚሩ መዓልታዊ ካብ ሰዓት 5:00 ድቀ ዝጅምር ንስርሒት ፎርቶ ዝድግፍ ህዝባዊ ኣብያታት ኣብ ኩለን ከተማታት ኤርትራ ክካየድ ዝጽውዕ ፖስተራት ምልጣፎም እውን ኣፍሊጦም።

     እዚ ከም’ዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ከተማታት ከረንን ደቀምሓረን ዝነብሩ ብስርሒት ፎርቶ ዝተታባብዑ ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ተማሳሳሊ መልእኽቲ ዘለዎ ፖስተራትን ጽሑፋትን ከም ዝተለጠፉ ብማዕከናት ዜና ምቅልሑ ይዝከር።

    እዞም እቲ ኣብ ልዕሊኦም ክወርድ ዝኽእል ከቢድ ሓደጋ ድምብርጽ ከይበሎም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ደለይቲ ለውጢ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ፣ “እቲ ደወል ተደዊሉ ‘ዩ፣ እቲ ሰዓት ከኣ ኣኺሉ ‘ዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣምር ክቕጽልዎ ከምዝኾኑ ድሕሪ ምርግጋጽ: ነቲ ካብ ዕለት 22 ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ዝጅምር ብምኽንያት ካልኣይ ወርሒ ፍጻሜ ስርሒት ፎርቶን፣ ንዝኽሪ እቶም ልክዕ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ  ሂወቶም ዝሰኣኑ ኣስታት 400 ኤርትራውያን ክካይድ ተወጢኑ ዘሎ ነፍሲ – ወከፍ ዓርቢ ተማሃሮን ሰራሕተኛታትን ኤርትራ ካብ ትምህርትን ስራሕን  ኮብኩሩ ዝጽውዕ ህዝባዊ ኣብያ ኣብ ምትግባር ተርኦም ክጻወቱ ምኻኖም ደጊሞም መብጽዓ ከምዝኣተዉ፣ ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ ገሊጾም።

    ከም ዝዝከር ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዘርከቡ ኤርትራውያን ንስርሒት ፎርቶ ዝድግፍ ሰለማዊ ሰልፍታት ብምክያድን ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ‘ውን ናብ ኤምባሲታት ኤርትራ ብምእታው ጠለባት ስርሒት ፎርቶ፣ ጠለባት ህዝቢ’ዮም ክብሉ ቃሎም ከምዘስምዑ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0