ፕረዚደንት ጂቡቲ: ፕረዚደንት ሶማል ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ኣብ ሞቛድሹ ዑደት ኣካይዱ

Radio Erena: 30 December 2022

ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ኣብ ሶማል ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ምክያዱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ፕረዚደንት፣ ሶማላዊ መዘንኡ ማሕሙድ ሸኽ ሓሰን ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፣ ብ28 ታሕሳስ ናብ ሞቛድሹ ከምዝኣተወ ዝሓበረ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልትኣዊ ጉዳያት ምምኽኻሮም ኣመልኪቱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ፕረዚደንት ገለ፣ ኣብ ባይቶ ሶማል ተዓዲሙ መደረ ከምዘስምዐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ማሕሙድ ዓሊ የሱፍ ብትዊተር ገሊጹ።

ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓቖፈ ኣስታት 1000 ሰራዊት ኣብ ሶማል ኣዋፊራ እትርከብ ጂቡቲ፣ ምስ መንግስቲ ሶማል ኣብ ክልተኣዊ ናይ ጸጥታ ምትሕግጋዝ ክትሰርሕ ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0