ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ፣ ኣብ ሃገሩ ዘለዉ ኩሎም እሱራት ፖለቲካ ናጻ ክወጹ ኣዚዙ

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ፣ ኣብ ሃገሩ ዘለዉ ኩሎም እሱራት ፖለቲካ ናጻ ክወጹ ኣዚዙ

Radio Erena: 30 September 2018

kir2ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት፣ ኣብ ሃገሩ ዘለዉ ኩሎም እሱራት ፖለቲካ ናጻ ክወጹ ኣዚዙ።

እቲ ፕረዚደንት ብሓሙስ 27 መስከረም ናብ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገሩ ኣብ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ እውን፣ ኩሎም ምሩኻት ኲናት ናጻ ክወጹ ኣዚዙ’ሎ።

ሳልቫ ኪር ነዚ ስጉምቲ’ዚ ዝወስድ ዘሎ፣ ብመሰረት ዝተበጽሐ ሓድሽ ስምምዕ ሰላም ምዃኑ፣ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።

እቶም ምሩኻት ኲናትን ናይ ፖለቲካ እሱራትን፣ ኣብ ከተማ ጁባ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ተኣሲሮም ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ውሳኔ ንመስርሕ ሰላም’ታ ሃገር ንምቅልጣፍ ደፋኢ ስጉምቲ ክኸውን ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

 ሳልቫ ኪር ኣብ መግለጺኡ፣ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ’ቶም ምሩኻት ኲናት ዝኾነ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ከይወስዱ ከጠንቅቕ እንከሎ፣ ሓደስቲ ወተሃደራት ምምልማልን ምዕላምን እውን ንግዚኡ ደው ክብል ኣዚዙ ከምዘሎ ሓቢሩ።

 ብኻልእ ወገን፣ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ሪክ ማቻር፣ ብፕረዚደንት ኣልበሽር ተሰንዩ ናብ ከተማ ጁባ ክኣቱ’ዩ ተባሂሉ ዝወጸ ዜና፣ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ’ዩ ክብል ኣፈኝኡ ኣፍሊጡ።

 ሚኒስተር ዜና መንግስቲ ደቡብ ሱዳን እውን፣ ንመስርሕ ሰላም ክዕወት ዘይደልዩ ወገናት ዝሃብዎ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ክብል ገሊጹዎ።

ሪክ ማቻር ናብ ደቡብ ሱዳን ክምለስ፣ መጀመርያ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክለዓል፣ ከምኡ’ውን ዓቃብ ሰላም ውሕስነትን ጸጥታን ከኽብር ዝብሉ ቅድመ ኩነት ከምዘቕረበ ኣይርሳዕን።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0