ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ንምኽትል ሚኒስተር ፋይናንስ’ታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ኣውሪዱዎ

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ንምኽትል ሚኒስተር ፋይናንስ’ታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ኣውሪዱዎ

Radio Erena: 03 December 2017

s_sudan deputy minፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት፣ ንምኽትል ሚኒስተር ፋይናንስ’ታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ኣውሪዱዎ።

ብዕለት 1 ታሕሳስ ብመንግስቲ ኣብ እትውነን መደበር ቴሌቪዥን ብዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ፣ ሞው ኣምብሮስ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ኣብ ክንድኡ ኣቲያን ዲንግ ኣቲያን ንቦትኡ ተኪኡ ክሰርሕ ከምዝተመዘ ኣፍሊጡ።

ምኽንያት’ዚ ምቅይያር ሰበስልጣናት ዝኾነ መግለጺ ኣይተዋህበሉን። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት እዚ ካብ ስልጣኑ ተገሊፉ ዘሎ ሞው ኣምብሮስ፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንሲቪል ሰራሕተኛታቱ ዝኽፈል ገንዘብ ከምዘይብሉ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

ንሱ ብተወሳኺ መንግስቲ ደሞዝ ሰራሕተኛታቱ ክኸፍል ዓቕሚ ሓጺሩዎ ክነሱ፣ ፓስፖርትን ቪዛን ባዕሉ ክሰርሕ እንዳኸኣለ እቲ ዕድል ንጀርመናዊ ትካል ብምሃብ ግና፣ ልዕሊ 500 ሽሕ ዶላር ክኸፍል ምኽኣሉ ዘተሓሳስብ’ዩ ብምባል መረርኡ ይገልጽ ከምዝነበረ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር የመልክታ።

ኣብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ዝርከቡ ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ምስ ምጥፍፋእን ብልሽውናን ብዝተሓሓዝ ጉዳይ ኣብ መንጎኦም ከቢድ ወጥሪ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0