ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ቅድሚ ምጽንባር ሬክ ማቻር፣ ምቅይያር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ጌሩ

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ቅድሚ ምጽንባር ሬክ ማቻር፣ ምቅይያር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ጌሩ

Radio Erena: 23 March 2016

Kir Gn

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ምቅይያር ናይ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ጌሩ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዘተግብር ዘሎ፣ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ፖል ማሎንግ ኣዋን ንዝቐረበ እማማ ብምቕባል’ዩ።

ኣውራ ምኽንያት’ቲ ንብምሉኦም ጀነራላት እታ ሃገር ብጽፍሕን ቦታን ዝጸለወ ምቅይያር ኣይተነጽጽጸረን። 

ይኹን’ምበር እቲ ምቕይያር ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ምጽንባር ተቓዋሚ ሬክ ማቻር ናብቲ መንግስቲ ዝተተሓሓዘ ክኸውን ከምዝኽእል ወትሃደራውያን ተንተንቲ የረድኡ።

 

ሬክ ማቻር ናብ መንግስቲ እታ ሃገር ንምጽንባር ናብ ከተማ ጅባ ቅድሚ ምእታዉ፣ 23 ጀነራላቱ ዝርከብዎም ልዕሊ 3000 ሽሕ ሰራዊቱ ናብታ ከተማ ክዋፈሩ ምሕታቱ ይዝከር።

ደቡብ ሱዳን፣ ካብቲ ዘለዋ ብዝሒ ሰራዊት ንላዕሊ ዝጠልቦ ጀነራላት ከምዘልዋ’ዩ ዝንገር።

ሳልቫኪርን ተቓዋሚኡ ሬክ ማቻር፣ ከም ፕረዚደንትን ምክትልን ኮይኖም መንግስቲ እታ ሃገር ክመርሑ ኣብ ስምምዕ እኳ እንተበጽሑ፣ ኣብ መንጎእም ምትእምማን ከምዘየለ ተዓዘብቲ ይጠቕሱ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0