ፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ስልጣኑ ክገድፍ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ መላእ ግብጺ ተኻዪዱ

Radio Erena: 22 September 2019

ንፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ስልጣኑ ክገድፍ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ መላእ ግብጺ ተኻዪዱ።

እቲ ዓርቢ 20 መስከረም ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ከተማታት ካይሮን ኣለክሳንድርያን ዝርከብአን ብዙሓት ከተማታት ግብጺ ኣብ ሓደ እዋን እዩ ተጀሚሩ።

ብፍላይ ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር ከተማ ካይሮ ዝተኣከቡ ሰልፈኛታት ‘ኣል ሲሲ ስልጣንካ ግደፍ’ ‘ህዝቢ ፍርሒ ኣወጊድካ፣ ንመሰልካ ተላዓል’ ዝብሉ ጭሮሖታት ብሰፊሑ የቃልሑ ከምዝነበሩ፣ ማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢረን።
ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ናብ ከተማ ካይሮ ዝውሕዝ ዝነበረ ብዝሒ ህዝቢ ንምግታእ ብእዋኑ ኬላታት ዓጽዮሞ እኳ እንተነበሩ፣ ህዝቢ ግና ንፕረዚደንት ነበር ሑስኒ ሙባረክ ዝዓለወሉ ሜላ ብምጥቃም፣ ድምጹ ብዓውታ ከስምዕ ከምዝወዓለ ተፈሊጡ።

ፖሊስ እታ ከተማ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ክጥቀሙ እንከለዉ፣ ሓያሎ መንእሰያት ከኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ከምዘለዉ ይግለጽ። ተጣበቕቲ መሰላት እታ ሃገር፣ ሓደ ጋዜጠኛ ዝርከቦም ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐየዱ ክገልጹ እንከለዉ፣ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ብወገኑ ካብ ኣዘዝቲ ጸጥታ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ዝበሎ ቁጽሪ እሱራት ልዕሊ 74 ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ልሳን መንግስቲ ዝኾና ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብዝምልከት ዝኾነ ሸፈነ ኣይሃባን። መንግስቲ እውን ብወገኑ ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን ዘሎ።

ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ድሕሪ ምጭባጡ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብሸፈጥ ከምዝተዓወተ ዝንገረሉ ኣል ሲሲ፣ ነታ ሃገር ካብ ሑስኒ ሙባረክ ብዝኸፈአ ውልቀምልካዊ ኣገዛዝኣ ብምሓዝ ንህዝብን ቁጠባን እታ ሃገር ረሚሱዎም ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Absie 5 years ago

    Ab Ziena Mhab Tdnguyu Aleku Qltafe Yhalkum