ፕረዚደንት ኬንያ ዝጸዓነት ነፋሪት ብዘይፍቓድ ናብ ክሊ ኣየር ኤርትራ ብምእታዋ፣ ብህጹጽ ክትምለስ መጠንቐቕታ ከምዝተዋህባ ምንጭታት ሓይሊ ኣየር ኣረጋጊጾም

ፕረዚደንት ኬንያ ዝጸዓነት ነፋሪት ብዘይፍቓድ ናብ ክሊ ኣየር ኤርትራ ብምእታዋ፣ ብህጹጽ ክትምለስ መጠንቐቕታ ከምዝተዋህባ ምንጭታት ሓይሊ ኣየር ኣረጋጊጾም

Radio Erena : 29 April 2015

PlaneK

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ዝጸዓነት ፍልይቲ ነፋሪት ብዘይፍቓድ ኣብ ክሊ ኣየር ኤርትራ ብምእታዋ፣ ካብ ወገን ምክልኻል ክሊ ኣየር ኤርትራ ብዝተዋህባ መጠንቐቕታ ክትምለስ ከምዝተገደደት ምንጭታት ካብ ሓይሊ ኣየር ኤረና ኣረጋጊጾም።

እታ ነፋሪት ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ 23 ሚያዝያ ኣብ ሰዓታት ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት ብወገን ኢትዮጵያ ኣቢላ ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምእታዋ፣ ብሃንደበት ከምዝተመልሰትን ብሰንኩ ድማ ዑደት ፕረዚደንት ኬንያ ናብ ኣመሪካ ከምዝተሰረዘን ሬድዮ ኤረና ንማዕከናት ዜና ብምጥቃስ ከምዝሓበረት ይዝከር።

 

ፕረዚደንት ኬንያታ ዝጸዓነተ ነፋሪት ናብ ኬንያ ክትምለስ ዝተገደደት ብሰንኪ እቲ ኣብ የመን ዘሎ ኩነታት ምዃኑ’ውን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ የመን ብዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ክሊ ኣየር የመን ነፈርቲ ክሓልፋሉ ብዘይምኽኣለን’ውን ንሓያሎ መንገዲ ኣየር ዕንቓፍ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር እታ ንፕረዚደንት ፕረዚደንት ኬንያ ዝጸዓነት ነፋሪት ነዚ ናይ የመን ክሊ ኣየር ንኸይትጥቀም፣ ብኢትዮጵያ ኣቢላ ብዘይፍቓድ ናብ ክሊ ኣየር ኤርትራ ድሕሪ ምእታው’ውን ካብ ሓለዋ ክሊ ኣየር ኤርትራ ብዝተዋህቦ መጠንቐቕጣ’ያ ብኡ ንብኡ ክትምለስ ዝተገደደት።

እቲ ፕረዚደንት፣ ካብ ኣህጉራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ኣብ ዝተበገሰሉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ከምዘፋነውዎ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ድማ፣ ብሃንደበት ምምላሱ ኣብ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ሻቕሎት ከምዝፈጠረ ሓቢረን።

ፕረዚደንት ኬንያ ዝጸዓነተ ነፋሪት ብክሊ ኣየር ኤርትራ ክትሓልፍ ምዃና ኣቐዲሙ ክሕበርን ካብ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ድማ ፍቓድ ክረክብን ዝግብኦ እኳ እንተነበረ፣ ሰበ ስልጣን ኬንያን ይኹኑ በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን እታ ሃገር ነዚ ዘይገበርሉ ምኽንያት ዛጊት ኣይተፈልጠን።

መንግስቲ እታ ሃገር’ውን ነዚ ብዝምልከት ምጽራይ ይግበር ከምዘሎ’ውን ዝጠቕስ።

ዝምድና መንግስታት ኬንያን ኤርትራን ዝሕቱል እኳ እንተነበረ፣ ድሕሪ’ቲ መንግስቲ ኬንያ ምስ ጉጅለታት ሶማል ምትእስሳር ኣለዎም ዝበሎም ክልተ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ምስጓጉ ከኣ ብዝያዳ ሓርፊፉ ይርከብ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ’ውን ኬንያ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ክግበር ምስ ኡጋንዳን ኢትዮጵያን ብምዃን ብዝልዓለ ካብ ዝተዋስኣ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ’ያ።
=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0