ፕረዚደንት ኦባማ ፣ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብህይወት ክሳብ ዘለዉ ስልጣን ክብሕቱ ምድላዮም ነቒፉ

ፕረዚደንት ኦባማ ፣ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብህይወት ክሳብ ዘለዉ ስልጣን ክብሕቱ ምድላዮም ነቒፉ

Radio Erena : 29 July 2015

Obama

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ተረኺቡ መደረ ዘስምዐ ናይ ፈለማ መራሒ ኣመሪካ ኮይኑ።

እቲ ፕረዚደንት ትማሊ ሰሉስ 28 ሓምለ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ኣፍሪቃ ዘለዋ ናይ ወፍርን ንግድን ዕድላት ብዝምልከት ሰፊሕ መደረ ድሕሪ ምቕራብ ጉዳያት ደሞክራስን ብልሽውናን’ውን ኣልዒሉ’ዩ።

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብህይወት ክሳብ ዘለዉ ስልጣን ክብሕቱ ምድላዩ’ውን ነቒፉ።

 

ኣፍሪቃ ካብ ዓለምና ድሕሪት ዝተረፈት ኣህጉር ኮይና፣ ኣውራ ጠንቒ ናይዚ ድማ ብሽሽውና፣ ዘይብቑዕ ምሕደራን ምልኪን ምዃኑ ይፍለጥ።

ኮሚሽነር ናይቲ 54 ኣባላት ሃገራት ዝሓቖፈ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንኮሳዛና ድላሚኒ ዙማ ንታሪኻዊ ዑደት ባራክ ኦባማ ናብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዝምድናን ኣመሪካን እቲ ሕብረትን ከም ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ከምእትርእዮ ገሊጻ።

ካብ 24 ሓምለ ዑደቱ ብኬንያ ዝፈለመ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ፣ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ናይ ክልት መዓልታት ዑደት ኣካይዱ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0