ፕረዚደንት ኦባማን ሓድሽ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሳልማንን ብጉዳይ የመን ክዝትዩ’ዮም

ፕረዚደንት ኦባማን ሓድሽ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሳልማንን ብጉዳይ የመን ክዝትዩ’ዮም

Radio Erena: 27 January 2015

Obabd

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማን ሓድሽ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሳልማንን ኣብ ጉዳይ የመን ክዘራረቡ’ዮም።

ካብ ዋይት ሃውስ- ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘነጽሮ፣ ፕረዚደንት ኦባማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ዑደት ከካይድ’ዩ።

ዕላማ ዑደት ፕረዚደንት ኦባማ ናብ ስዑዲ ዓረብ፣ ሞት ንጉስ ዓብደላ ምኽንያት ዝገበረ እኳ እንተኾነ፣ ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ዘለወን ሓባራዊ ረብሓታት ዝቕጽለሉ መንገዲ ንምዝርራብን ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ሃገራት ዓረብን ነውጺ ክፈጥር ዝኽእል ጉዳይ የመንንውን ክዘራረብሉ ምዃኖም ዋይት ሃውስ ኣብ መግለጺኡ ኣነጺሩ።

 

ወሳኒ ኣፍደገ ባሕሪ እትውነን የመን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘመንግስቲ ኣብ ርእሲ ምህላዋ፣ ናብ ደቡብን ሰሜንን የመን ከይትገማማዕ’ውን ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ርእሲ’ዚ’ውን እታ ሃገር ብሰንኪ ገጢሙዋ ዘሎ ጸጥታዊ ሃጓፋት ቀንዲ መናሃርያ ሽበራውያን ጉጅለታት ከይትኸውን ዓቢ ስግኣት ኣሎ።

ብመንገዲ’ዚ ወሽመጥ ዓደን ዓመታዊ ኣስታት 10 ሽሕ ዓበይቲ ናይ ንግዲን ነዳዲ ዘመላልሳን መራኽብ ካብን ናብን ሃገራት ኤስያ፣ ማእከላይ ምብራቕ፣ ኤውሮጳን ኣመሪካን ከምዝመላለሳ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ሶማል ዝጸንሐ ስግኣታት ናይ የመን እንተተወሲኽዎ’ውን ንምንቕስቓስ እዘን መራኽብ ሓደገኛ ከምዝገብሮ ስለዝገብሮ ጉዳይ የመን ኣቓልቦ ኣመሪካ እትርከበን ምዕራባውያን ሃገራት ክረክብ ክኢሉ ኣሎ።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0