ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ድሕሪ ምርጫ 2015 ኣብ ስልጣን ክቕጽል ከምዝኽእል ተገሊጹ

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ድሕሪ ምርጫ 2015 ኣብ ስልጣን ክቕጽል ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 23 October, 2014

Albeshir

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ድሕሪ 2015 ኣብ ዝካየድ ምርጫ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ከምዝኽእል ተገሊጹ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ እቲ ፕረዚደንት ሕጂ’ውን እንኮ ተወዳዳሪ ካብቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ኮይኑ ብዓብላሊ ድምጺ ከምዝተመርጸ ምክትሉ ኢብራሂም ጋንዶር ንማዕከናት ዜና ሓበሬታ ድሕሪ ምሃቡ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣቐዲሙ ጽገናዊ ለውጢ ንምትእትታው ኩለን ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዝሳተፍኦ ሃገራዊ ዘተክካየድን ንሱ ድማ ኣብ ዝቕጽል ምርጫ ከምዘይሳተፍን ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

 

እንተኾነ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ብድሌቱ ዘይኮነ ብድሌት እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ወኪሉ ንምርጫ ክቐርብ ከምዝወሰነ ኢብራሂም ጋንዶር የረድእ።

እዚ ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝተጠቕመሉ ሜላ፣ ዳርጋ ኩሎም እቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝጥቐምሉ ስልቲ ምዃኑን ኣልበሽር’ውን ክሳብ ብህይወት ዘሎ ካብ ስልጣን ክእለ መደብ ከምዘይነበሮን ተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገር ይነቕፉ።

ኣብ 1989 ብወትሃደራዊ ዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ዳርፉር ተፈጺሙ ብዝብሃል ገበናት ምጽናት ዓሌት ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ይህደን ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።
=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0