ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንጉስ ዓብደላ ዘይምስታፉ፣ ዝምድና ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ድኹም ምዃኑ ዘጉልሐ ምንባሩ ተገሊጹ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንጉስ ዓብደላ ዘይምስታፉ፣ ዝምድና ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ድኹም ምዃኑ ዘጉልሐ ምንባሩ ተገሊጹ

Radio Erena: 27 January 2015

KingIsu

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንጉስ ዓብደላ ዘይምስታፉ፣ ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ዘለወን ዝምድና ድኹም ምዃኑ ዘረጋግጽ’ዩ ክብሉ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ገሊጾም።

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንጉስ ዓብደላ፣ ናይ ኩለን ሃገራት ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከብዎም 10ታት መራሕቲ ክሳተፉ እንከለዉ፣ ፕረዚደንት ኤርትራን ግና ከምዘይተረኽበ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣገንዚቦም።

 

እንተኾነ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምኽንያት ሞት ንጉስ ዓብደላ ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም ደብዳቤ ምልኣኹ ኣረጋጊጾም።

ኣብ 2005 ንጉስ ፋሃድ ኣብ ዝሞተሉ ግዜ’ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሩ ከምዘይተረኽበ ዘረጋገጹ እቶም ዲፕሎማሰኛታት፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝወከለ ዝኾነ በዓል ስልጣን’ውን ዘይምስታፉ ንዝምድና ኤርትራን ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ኣብ ርእሲ’ቲ ዝነበሮ ብኣሉታ ከምዝጸለዎ ኣገንዚቡ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንጉስ ፋሃድ እኳ እንተተሳተፈ፣ ብመዳይ ዲፕሎማስን ፕሮቶኮልን ክርአ እንከሎ ግና ንመንግስቲ ኤርትራ ዝወከለ ኣይነበረን።

ኤርትራ ናጽነታ ካብ እትርከብ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ 24 ዓመታት ክልተ እዋን ጥራይ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዑደት ምክያዱ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንዘሎ ድኹም ዝምድና ዘጉልሕ ምዃኑ’ውን እቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣስሚሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ 24 ዓመታት ናብ ቀጠር ልዕሊ 10 ግዜ ዑደት ከካይድ እንከሎ ናብታ ብቀይሕ ባሕሪ እተዋሰና ስዑዲ ዓረብ ግና ኣብ 1997 ከምኡ ድማ ኣብ 2007 ክልተ ግዜ ጥራይ’ዩ ምብጻሕ ፈጺሙ።

ኤርትራን ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ድኹም ዝምድና ከምዘለወን ኣብ ርያድ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ብደረጃ ቆንስልን ካልእ ጽፍሕታትን ንኣስታት ትሽዓተ ዓመታት ዘገልገለ ኣቶ ፈትሒ ዖስማን ኣሕመድ ምስ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ’ዩ።

=========================================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0