ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ እገዳ ክልዓለ ዝጽውዕ ደብዳቤ ናብ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ልኢኹ

Radio Erena: 28 December 2016

Issu

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክልዓለ ዝጽውዕ ደብዳቤ ናብ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ከምዝልኣኸ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ መልእኽቱ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ን7 ዓመታት ተነቢሩ ዘሎ “ዘይሕጋዊ’ዩ” ዝበሎ እገዳ ክልዓል ብምጽዋዕ፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ በደል ብምዝክኻር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ኣብ ክንዲ ብበደሉ ዝጠዓስን ንህዝቢ ኤርትራ ዝኽሕስን፣ ክቐጽዖ’ዩ ዝርአ ዘሎ ምባሉ እቲ ናይ ትዊተር ሓበሬታ ይጠቕስ።

እቲ ናይ ትዊተር ሓበሬታ ብተወሳኺ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ደብዳቢኡ ኢትዮጵያ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ወሪራ ክነሳ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዝኾነ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎ ተቓውሞ ይገልጽ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2009 ከምኡ ድማ ኣብ 2011 ክልተ እዋን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እገዳ ከምዘንበረ ዝዝከር’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ እዋን’ቲ ንውሳኔ እቲ እገዳ ከናሹን ትርጉም ከምዘይብሉን ይገልጽ እኳ እንተነበረ፣ ድሒሩ ግና ኣብ ኤርትራ ንዝርአ ዘሎ ኩሉ ማሕበረ-ቁጠባዊን ፖለቲካውን ሕሰማት ነቲ እገዳ ከላግበሉ’ዩ ዝስማዕ ዘሎ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዘይካ’ቲ፣ ኣብ ጉዳይ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝፈጸሞ ኣሉታዊ ምትእትታው ኣብ ልዕሊኡ ዝተወሰነ እገዳ፣ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታቱን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን’ውን ጉዳዩ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ምጽራይ ይካየደሉ ምህላዉ ይፍለጥ።

እቲ መንግስቲ፣ ብሰንኪ ዝኽተሎ ዘሎ ፖለቲካው ኣካይዳ፣ እገዳ ተነቢርሉ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ተነጽሎ’ውን ወዲቑ ይርከብ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0