ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ “ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ንምስዳድ ንብገስ ኣለና” ክብል ገሊጹ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ “ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ንምስዳድ ንብገስ ኣለና” ክብል ገሊጹ

Radio Erena: 20 June 2018

Issaias Afewerki

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ሎሚ 20 ሰነ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ “ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ንምስዳድ ንብገስ ኣሎና” ክብል ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ብወገን እቲ ኣብ ናይ ምስግጋር መድረኽ ኣሎ ዝበሎ ናይ ለውጢ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ እወታዊ ምልክታት ስለዝተራእዩ፣ ኣብ ሃናጺ ጽምዶ ንሰላም ንምስታፍ ምኳኑ ጠቒሱ።

ኢትዮጵያ፣ ንስምምዕ ሰላም ኣልጀርስን ውሳኔ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ብምሉእ ከምእትቐበልን ከምእተተግብርን ድሕሪ ምግላጻ፣ ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ መግለጺ ከይተዋህበ’ዩ ጸኒሑ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0