ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ጽገናዊ ለውጢ ክግበረሉ ዝጠልብ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ቻድ ልኢኹ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ጽገናዊ ለውጢ ክግበረሉ ዝጠልብ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ቻድ ልኢኹ

Radio Erena: 06 September 2017

Issaias Deby

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ጽገናዊ ለውጢ ክግበረሉ ዝጠልብ ደብዳቤ ናብ ፕረዚንት ቻድ እድሪስ ደቢ ልኢኹ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን፣ ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተላእከ ደብዳቤ ብ4 መስከረም ናብ ፕረዚደንት ቻድ ከምዘረከብ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ብዛዕባ ጽገናዊ ለውጢ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝምልከት ናብ ፕረዚደንድ ቻድ ደብዳቤ ዝልኣኸሉ ምኽንያት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሒሩ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጽኢ ቻድ ነበር ሙሳ ፋኪ፣ እዋናዊ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ስለዘሎ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብቲ ርክብ፣ ፕረዚደንት ቻድን ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ዋሕዚ ስደት መርገጺ ሕብረት ኣፍሪቃን ብዝምልከት ከምዝተዘራረቡ’ውን እቲ ማዕከን ዜና ካብ ከተማ ኤንጀሜና ገሊጹ።

ድሕሪ 1993 ኣብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፉ ዘይፈልጥ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ካብ ዞባውን ኣህጉራውያን ጉዳያት ተነጺሉ፣ ኣብዚ ክልተ ዓመት ብዘይካ ምስ መራሕቲ ሱዳንን ግብን ምስ ዝኾነ ካልእ መራሒ ኣፍቃዊት ሃገር ኣይተራኸበን ዘሎ።

ብዘይካ’ዚው’ን፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ብዘይካ’ቲ ኣብ 2015 ብጉዳይ ጅቡቲ ናይ ፍርቂ መዓልታት ዑደት ዘካየደ ኣሚር ቀጠር ፣ ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ መራሒ ሃገር’ውን ኣይነበረን።

ይኹን’ምበር እቲ ፕረዚደንት፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን፣ ብክልተ ሰባት ጥራይ ዝተወከለ ልኡኻቱ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ደብዳቤ ክልእኽ ምጽንሑ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0