ፕረዚደንት ኡጋንዳ ድሕሪ 10 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ድሕሪ 10 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 17 September 2015

Alba Muse

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሰቬኒ፣ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳንን ካልእ ዞባዊ ጉዳያትን ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ንምዝርራብ ኣብ ካርቱም ወግዓዊ ናይ ስራሕ ፈጺሙ።

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ናብ ሱዳን ዝበጽሕ ዘሎ ድሕሪ 10 ዓመት ሎሚ ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

ብጉዳይ ደቡብ ሱዳንን ምዕጣቕ ተቓወምቲ ሓድሕደንን ዝወቓቐሱ ፕረዚደንታት ክልቲኤን ሃገራት፣ ነዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ኣብ ዝሕቱል ዲፕሎማሲ’ዮም ጸኒሖም።

 

ዑደት ፕረዚደንት ዩዌሩ ሚሴቬኒ ናብ ካርቱም፣ ነተን ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ብናይ ውክልና ዲፕሎማሲ ብሳልሳይ ኣካል ጥራይ ክዘራረባ ዝጸንሓ ሃገራት ብቀጥታ ክዝትያሉ ኣኽኢልወን ኣሎ።

ኡጋንዳ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰራዊታ ኣዋፊራ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሱዳን ድማ ነዚ ናይ ኡጋንዳ ወትሃደራዊ ምትእትታው ክትቃወም’ያ ጸኒሓ።

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሰቬኒ፣ ኣብዚ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደቱ ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ብምጅርኻብ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ደቡብ ሱዳን ብምትኳር ከምዝዘተዩ ሚኒስተር ዜና ሱዳን ኣሕመድ ቢላል ዑስማን ኣረጋጊጹ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0