ፕረዚደንት ቱርኪ፣ ኣብ ኢትዮጵያን ጅቡትን ወግዓዊ ዑደት ከካይድ’ዩ

ፕረዚደንት ቱርኪ፣ ኣብ ኢትዮጵያን ጅቡትን ወግዓዊ ዑደት ከካይድ’ዩ

Radio Erena: 14 January 2015

Turk

ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኦርዶጋን ናብ ኢትዮጵያን ጅቡትን ወግዓዊ ዑደት ከካይድ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ካብ 22 ክሳብ 24 ጥሪ ዘካይዶ ዑደት፣ ምስ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ብምርኻብ፣ ቱርኪ ኣብ ቁጠባን ምዕባለን እቲ ዞባ ብዛዕባ ክህልዋ ዝኽእል ኣበርክቶ ክዘራረብ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ዝተመሓላለፈ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ቱርኪ ኣብ ኣፍሪቃ ከተስፍሖ ንእትደሊ ወፍሪ ባይታ ንምንጻፍ ምስ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ንግድን ወፍርን ዘተኮር ዝዝርብ ከተካይድ ምዃና’ውን እቲ ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።

 

ብመሰረት ካብቲ ቤት ጽሕፈት ዝወጸ መግለጺ፣ ፕረዚደንት ቱርኪ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ 12 ሃገራት ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ዑደት ከካይድ መደብ ሒዙ ኣሎ።

ቱርኪ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ጅቡቲ እተካይዶ ዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ 500 ሚልዮን ከምዝበጽሕ ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ቱርኪ ዓደን ሑሰን ዓብዱላሂ ምስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ሓቢሩ።

ዝምድና ቱርክን ኢትዮጵያ እትርከበን ካልኦት ንጅቡቲ ከም ኣፍደገ ዝጥቐማላ ሃገራትን እንተዓብዩ ኸኣ፣ እቲ ንግዳዊ ልውውጥ ካብዚ ዘለዎ ክዓቢ ከምዝኽእል ይግመት።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0