ፕረዚደንት በሺር ናብ ግብጺ ይበጽሕ

ፕረዚደንት በሺር ናብ ግብጺ ይበጽሕ

Radio Erena: 06 November

bashir_alsisiፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ከም መቀጸልታ ናይቲ ምስ ግብጺ ተጀሚሩ ዘሎ ስሩዕ ርክባት መራሕቲ፣ ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካየድ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ሎሚ ሰሉስ 6 ሕዳር ናብ ካይሮ ድሕሪ ምእታው፣ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብ ክልትኣዊን ዞባውን ጉዳያት ክዘራረብ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ፣ ንሱ ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ካብ 3 ክሳብ 6 ሕዳር፣ አብ ሻርም ሸኽ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ መንእሰያት ክሳተፍ’ዩ።

ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣቐዲሙ፣ ካብ 23 ክሳብ 25 ጥቅምቲ ናብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዱ፣ ፕረዚደንት በሺር ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ኣጽንዕዎ ዝጸንሐ ናይ ንግዲ እገዳታት ክልዓል ወሲኑ’ዩ።

ብዋንነት እቲ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ዞባ ሓላይብን ኣጠቓቕማ ናይልን ንሓያሎ ዓመታት ክሰሓሓባ ዝጸንሓ ሱዳንን ግብጽን፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብዝተፈጥረ ምክፍፋልን ዝወሰድኦ ዝተፈላለየ መርገጺታትን፣ ናብ ዝበኣሰ ምትፍናን’ዩ ደፊኡወን።

ብፍላይ ዝሓለፈ ዓመት፣ ፕረዚደንት ቱርኪ፣ ጣይብ ኤርዶዋን ናብ ሱዳን ዑደት ድሕሪ ምክያዱ፣ ግብጽን ሱዳንን ጠቕሊለን ዝምድንአን ክሳብ ምብታኽ በጺሐን ምንባረን ይዝከር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ዋዕላ መንእሰያት፣  ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ንኤርትራ ብውካል ይሳተፉ ኣለዉ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0