‘ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣብ ኤርትራ ተዓጊቶም ዘለዉ ወትሃደራውቱ ንምምላስ ዝዓለመ ካልኣይ እግሪ ዘተ ንምክያድ ናብ ኣስመራ ከምርሕ’ዩ’

Radio Erena: 08 November 2022

ፕረዚደንት ሶማል፣ ሸኽ ሓሰ ሸኽ ማሕሙድ፣ ንልዕሊ 3 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ተዓጊቶም ዘለዎ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት ሶማል ንምምላስ ዝዓለመ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካልኣይ እግሪ ዘተ  ንምክያድ ናብ ኣስመራ ከምርሕ ምዃኑ መርበብ ዜና ሻቤሌ ሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ግንቦት 2022 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናብ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ ንካልኣይ እዋኑ።

እዚ ናይ ካልኣይ እግሪ ምብጻሕ ፕረዚደንት ሶማል፣ መዓልቱ ኣይተሓበረን።

ኣብ ኤርትራ ተዓጊቶም ዝርከቡ ኣሽሓት ወትሃደራት ሶማል፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ዓዶም ክምለሱ እንተዘይክኢሎም፣ ወለዶም ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክውድቡ ምዃኖም ‘ዮም ዘጠንቅቑ።

እቶም ወለዲ፣ ኣብቲ ብ27 ጥቅምቲ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ይኹን ኤርትራ በጺሑ ኣብ ዝተመልሰሉ፣ ንምምላስ እቶም ሶማላውያን ብዝምልከት ዝኣተዎ መብጽዓ ከተግብር እንተዘይክእሉ፣ ሰፊሕ ተቓውሞ ክውድቡ ምዃኖም መርበብ ዜና ሶማሊ ጋርድያን ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ሓሰን፣ ኣብ ወርሒ መስከረም፣ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ ኣብ ሶማል ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ክሳብ ዝረጋጋእ ብዝብል፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነቶም ሶማላውያን ወትሃደራት ናብ ዓዶም ክመልሶም ከምዘይክኣለ ኣመልኪቱ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ምምላስ እቶም ኣብ ኤርትራ ተዓጊቶም ዘለዉ ሶማላውያን ወትሃደራት ክትትሓባበሮም ድማ እቲ ፕረዚደንት ብወግዒ ሓቲቱ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0