ፕረዚደንት ሶማል፣ ተደናጉዩ ዝጸንሐ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ የካይድ ኣሎ

Radio Erena: 29 September 2022

ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ ትማሊ ረቡዕ 28 መስከረም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ብዝያዳ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ዶባትን ስግኣታት ኣልሸባብን ብምትኳር ከምዝዘተየ ‘ዩ ተሓቢሩ።

ኣብ 23 ግንቦት ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ሓሰን፣ ኣብ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ዑደት ከካይድ እንከሎ፣ ዛጊት ናብ ኢትዮጵያ ከይበጽሐ’ዩ ጸኒሑ።

ምድንጓያት ዑደት እቲ ፕረዚደንት ብወገን ኢትዮጵያ ምዃኑ ክገልጻ ዝጸንሓ መርበባት ዜና ሶማል፣ ጠንቑ ብንጹር ኣይመልከታን።

ኢትዮጵያ፣ ንኣልሸባብ ንምምካት፣ ብዘይካ’ቲ ብውልቃ ኣብ ዶባት ሶማል ዘዋፈረቶ ሰራዊት፣ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓቖፈ ኣሃዱ’ውን ከምዘለዋ ይፍለጥ።

መጥቃዕታት ኣልሸባብ ንምምካት ካብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ወትሃደራዊ ሓገዝ እትሓትት ዘላ ሶማል፣ ካብ 2019 ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኣስታት 5 ሽሕ ሰራዊታ ክትመልሶ ኣይከኣለትን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ሶማል ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ፍልልይ ክሳብ ዝፍታሕ፣ ነቶም ሶማላውያን ወትሃደራት ናብ ዓዶም ከምዘየፋንዎም ምግላጹ’ዩ፣ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ናይ ኣመሪካ ዑደቱ ገሊጹ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ኤርትራ ተዓጊቶም ዘለዉ ውትሃደራት ሶማል ኣብ ምምላስ ክትተሓጋገዞም ‘ውን ፕረዚደንት ሓሰን ምስ ኣማኻሪ ጸጥታ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን ሓቲቱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0