ፕረዚደንት ሳልቫኪር ብሃንደበታዊ ሕማም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ድሕሪ ምእታዉ፣ ጥዕንኡ ተመሓይሹ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ክሳተፍ ክኢሉ

ፕረዚደንት ሳልቫኪር ብሃንደበታዊ ሕማም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ድሕሪ ምእታዉ፣ ጥዕንኡ ተመሓይሹ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ክሳተፍ ክኢሉ

Radio Erena : 30 January 2015

Salva

ኣብ መበል 24 ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት ብሰንኪ ሃንደበታዊ ሕማም ሆስፒታል ኣትዩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ናብቲ ዋዕላ ክምለስ ከምዝኸኣለ ተሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብሰሉስ 27 ጥሪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታዉ ንጽባሒቱ ሮቡዕ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ብህጹጽ ከምዝተወስደ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና ጠንቂ ሕማሙ ብንጹር ከምዘይተፈልጠ ኣመልኪተን።

63 ዓመት ዝዕድሚኡ ፕረዚደንት ኪር ናብ ሆስፒታል ዝተወስደሉ ምኽንያት መድመይቲ ኣፍንጫ ጥራይ ምንባሩ ዝሓበሩ ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን ከኣ፣ እቲ ፕረዚደንት ካብ ሆስፒታል ክሳብ ዝምለስ እቲ ዋዕላ ንምጅማር ከምዝተደናጎየ ኣረጋጊጾም።

 

ሳልቫኪር ሚያርዲት ብዘይካ ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕበርት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ኣመልኪቱ ንዝካየድ ፍሉይ ዘተ ኢጋድ ንምስታፍ’ውን’ዩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።
======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0