ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ኡጋንዳ ምብጻሕ ፈጺሙ

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ኡጋንዳ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 15 November 2017

Uganda Sud

ፕርዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ኡጋንዳ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብ13 ሕዳር ናብታ ሃገር ድሕሪ ምእታዉ ምስ ኡጋንዳዊ መዘንኡ ፕረዚደንት ዩዌሩ ሙሰቬኒ ብምርኻብ፣ ኣብ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን፣ ጉዳያት ጸጥታን ንግድን ከምዝዘተየ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

መራሕቲ ሱዳንን ኡጋንዳን ካብ 2015 ኣትሒዞም ብጉዳይ ደቡብ ሱዳንን ካልእ ጸጥታዊ ጉዳያትን ርክባት ከካይዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ሱዳን፣ ኣብዚ ሎሚ ዘካየዶ ናይ ኡጋንዳ ምብጻሕ ሓያሎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ሱዳናውያን ነጋዶም’ዮም ኣሰንዮሞ።

ፕረዚደንት በሺር ናብ ኡጋንዳ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ ብ1 ሕዳር ንፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኣብ ካርቱም ተቐቢሉ ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ።

ንሱ ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ኪር ዘካየዶ ርክብ፣ ሱዳን ተቓወምቲ ጎረባብቲ ሃገራት ምሕጋዝ ንረብሓኣ ከምዘይኮነ ካብ ናይ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ቻድን ተማሂራ’ያ ድሕሪ ምባል፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዝርከቡ ተቓወምቲ ከምዘይትድግፍ ሓቢሩ።

====================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0