ፕረዚደንት ሱዳን ናብ ግብጺ ምብጻሕ የካይድ

ፕረዚደንት ሱዳን ናብ ግብጺ ምብጻሕ የካይድ

Radio Erena: 20 March 2018

sudan egypt

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ግብጺ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ትማሊ ሰኑይ 19 መጋቢት ኣብ ዘካየዶ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ካይሮ ዑደቱ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ብምርኻብ፣ ንክልቲኤን ሃገራት ከሰሓሕበን ኣብ ዝጸንሐ ጉዳያት ብምትኳር ክዘራረብ’ዩ።

ምስሕሓብ ሱዳንን ግብጽን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ናይ 2017 ኣትሒዙ ኣብ ዝልዓለ ጥርዙ ድሕሪ ምብጽሑ፣ ሱዳን ኣብ ግብጺ ዝነበረ ኣምባሳደራ ከምዝሰሓበት ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ንዘሰሓሕበን ጉዳያት ብዲፕሎማስያዊ ዘተ ድሕሪ ምስምምዐን፣ ሱዳን ስሒባቶ ዝጸንሐት ኣምባሳደራ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ካይሮ መሊሳቶ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት’ውን ሓላፊ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ግብጺ ኣብ ካይሮ ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዕጹው ርክብ ከምዘካየደ ይፍለጥ።

ድሕሪ’ዚ ርክብ እዚ ድማ፣ ብደረጃ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ሱዳንን ግብጽን ናብ ደረጃ መራሕቲ ሃገራት ንምዕራጉ ፕረዚደንት በሽር ካይሮ ኣትዩ ይርከብ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ኣብ ሱዳን ድሕሪ ዘካየዶ ታሪኻዊ ዑደት፣ ቱርኪ ኣብ ሱዳን ወትሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ መደብ ከምዘለዋ ከምዝተገልጸ ዝዝከር ኮይኑ፣ ካብቲ ዕለት እቲ ጀሚሩ ምትፍናን ሱዳንን ግብጽን ሰማይ ዓሪጉ’ዩ ጸኒሑ።

ሱዳን፣ ካብ ወገን ናይታ ምስ ግብጺ ተመሓዝያ ዘላ ኤርትራ ጸጥታዊ ስግኣት ኣሎኒ ብዝብል ምኽንያት ዶባታ ብምዕጻው ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዋስና ከባቢታት ሰራዊታ ከምዘዋፈረትሉ ይዝከር።

ሱዳንን ግብጽን ብዘይካ’ዚ ናይ ቱርኪ ሓድሽ ክስታት፣ ኣቐዲመን’ውን ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን፣ ብዋንነት ናይቲ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ዞባ ሓላይብን ክዋጠጣ ምጽንሐን ይፍለጥ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0