ፕረዚደንት ሱዳን ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር መዚዙ

Radio Erena: 03 March 2017

Bekri Hasen

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ምክትሉ ንዝነበረ ባክሪ ሓሰን ሳልሕ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ክኸውን ከምዝመዘዞ ማዕከናት ዜና ካብ ካርቱም ሓቢረን።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ 1989 ብወትሃደራዊ ዕልዋ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ድሕሪ 28 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝመዝዝ ዘሎ።

ምምዛዝ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፣ ምስቲ ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ዋዕላ ንሃገራዊ ዘተ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።

ብዙሓት ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝተሳተፍኦ፣ ኣብ ጥቅምቲ 2016 ዝተኻየደ ሃገራዊ ዘተ ሱዳን፣ በቶም ጸለውቲ ተቓወምቲ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ይዝከር።

ይኹን’ምበር፣ ኣብቲ እዋንቲ ብዝተኣትወ መብጽዓ መሰረት፣ ኣብ ሱዳን ሓድሽ ስርዓት መንግስቲ ክትከልን፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ዕልዋ ኣብ ዘካየደሉ ንዝኣልዩ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ክመልስን ኣብ ዝብል ስምምዕ ክበጽሕ ክኢሉ’ዩ።

በዚ መሰረት ድማ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር መዚዙ ኣሎ።

እንተኾነ፣ እቲ ፕረዚደንት ነቲ ካብ እዋን ዕልዋ ኣትሒዙ ናይ ቀረባ መሻርኽቱ፣ ሚኒስተር ምክልኻል፣ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንትን ዝኣመሰለ ጽፍሕታት ንዝነበሮን ጀነራል በክሪ ሓሰን ሳልሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ምምዛዙ፣ ኣብቲ ኣሰራርሓ እቲ መንግስቲ ለውጢ ከምዘይመጽእ ሓያሎ ተቓወምቲ ሱዳን ይገልጹ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0