ፕረዚደንት ሱዳን፣ ስምምዕ ሰላም ንምትእንጋድ ንክልቲኦም ወገናት ደቡብ ሱዳን ዕድመ የቕርብ

ፕረዚደንት ሱዳን፣ ስምምዕ ሰላም ንምትእንጋድ ንክልቲኦም ወገናት ደቡብ ሱዳን ዕድመ የቕርብ

Radio Erena: 08 June 2018

Al Beshir

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ገና መዕለቢ ዘይረኸበ መስርሕ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ንምትእንጋድ ንክልቲኦም ወገናት እታ ሃገር ዕድመ ከምዘቕረበሎም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ነቲ ዕድመ ናብ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲትን ተቓዋሚኡ ሬክ ማሻርን ዘቕርብ ዘሎ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሓለፍቲ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ናብ ጁባ ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸመሉ’ዩ።

እቲ ልኡኽ፣ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ፕረዚደንት በሺር፣ ንክልቲኦም ወገናት ከዘራርቦም ከምዝደሊ ገሊጽሉ።

ፕረዚደንት ሳልቫኪር ብወገኑ ንተበግሶ ፕረዚደንት በሽር ድሕሪ ምምስጋን፣ ንስምምዕ ሰላም ቁሩብ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ሱዳን፣ ንክልቲኦም ወገናት ደቡብ ሱዳን ንምትዕራቕ ዕድመ ዘቕርብ ዘሎ፣ ብመሪሕነት ኢትዮጵያ፣ ብኢጋድ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም ዳግም ተጀሚርሉ ኣብ ዘሎ ቅንያት’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0