ፕረዚደንት ሱዳንን ኣሚር ቀጠርን ኣብ ህሉው ኩነታት ሱዳንን መስርሕ ሰላም ዳርፉርን ዘትዮም

ፕረዚደንት ሱዳንን ኣሚር ቀጠርን ኣብ ህሉው ኩነታት ሱዳንን መስርሕ ሰላም ዳርፉርን ዘትዮም

Radio Erena: 17 June 2016

Qat sud

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገሩን መስርሕ ሰላም ዳርፉር በጺሕዎ ዘሎ ምዕባለታትን ንምዝርራብ ብሓሙስ 16 ሰነ ቀጠር ኣትዩ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ሓማድ ቢን ከሊፋ ኣልታኒ ብምርኻብ፣ ብዛዕባ’ቲ ብመንጎኝነት ቀጠር ጻዕርታት ዝካየደሉ ዘሎ ጉዳይ ዳርፉርን ህሉው ኩነታት ምብራቕ ሱዳንን ብዝምልከት ብዕምቆት ከምዝተዘራረበ ዲፕሎማስያውይን ምንጭታት ገሊጾም።

ብዘይካ’ዚ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ወፍሪን ልምዓታዊ ሓገዝን’ውን ከምዝተመያየጡ ካብ ኣዶሓ ዝተመሓላለፈ ዜና የረድእ።

 

ቀጠር ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብተን ዲፕሎማስያዊ ጽልዋታት ዘለዋ ሃገር ኮይና፣ ንጉዳያት ኤርትራን ጅቡቲን፣ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ዳርፉርን ከምኡ ድማ ኣብ ኩነታት ሶማል ናይ ሽምግልና ተበግሶ ካብ ዝወሰዳ ሃገራት ምዃና ይፍለጥ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0