ፕረዚደንት ህንዲ ናብ ጅቡት ይበጽሕ

ፕረዚደንት ህንዲ ናብ ጅቡት ይበጽሕ

Radio Erena: 04 October 2017

Djibouti India

ፕረዚደንት ህንዲ ራም ናስ ኮቪንድ ኣብ ጅቡቲ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ትማሊ 3 ጥቅምቲ ናብ ሃገር ከምዝኣተወ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደልቃድር ካሚል መሓመድ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ እታ ሃገር ብምርኻብ ኣብ መንጎ ህንድን ጅቡትን ክህሉ ብዛዕባ ዝኽእል ኩለንታዊ ምትሕግጋዛት ክዝትዩ’ዩ።

ብፕረዚደንት ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ህንዲ ናብ ጅቡቲ ክበጽሕ ኣብ ታሪኽ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት እዚ ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ናይ ጅቡቲ ዑደቱ ድሕሪ ምዝዛም ናብ ኢትዮጵያ ከምርሕ’ዩ።

ፕረዚደንት ኮቪንድ ኣብ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ብምትኳር ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣቶ ሙላቱ ቶሸመን ዝርከቦም ሰበ ስልጣን ክዘራረብ ምዃኑ ኣፈኛ እቲ ፕረዚደንት ኣሾክ ማሊክ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ህንዲ ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ ክፍጽም ድሕሪ 1972 ንፈለማ እዋኑ’ዩ።

ህንዲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተገዳስነት ተርኢ ዘላ፣ ሃገራት ኤስያ ኣብ ወፍርን ንግድን ሃገራት ኣፍሪቃ ልዑል ኣተኩሮ ኣንቢረናሉ ኣብ ዘለዋ ወቕቲ’ዩ።

ብቅዋማዊ ስርዓተ ምሕደራ መንግስቲ ህንዲ፣ ፕረዚደንት መራሕ መንግስቲ ኮይኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ድማ መራሕ እታ ሃገር’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0