ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክድገም’ዩ

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክድገም’ዩ

Radio Erena: 06 September 2017

Kenya High Court

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ፣ ኣብ 7 ጥቅምቲ ክድገም’ዩ።

እቲ ምርጫ ክድገም ዝተወሰነሉ ምኽንያት፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፣ ነቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደን ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ዝተዓወተሉን ውጽኢት ምርጫ ድሕሪ ምስራዙ’ዩ።

ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ፣ ኣብ 8 ነሓሰ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ኡሁሩ ኬንያታ ከምዝተዓወተ እኳ እንሓበረ፣ ኣርባዕተ ካብ ሽዱሽተ ኣባላት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ግና እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ መስርሕ’ዩ ተኸቲሉ ብምባል ንውጽኢቱ ከምዘይቅበሎ ኣብዚ ኣብ ዝሓለፈ ራብዕቲ ምፍላጡ ይዝከር።

እቲ ቤት ፍርዲ፣ ኣኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ፣ ዳግማይ ምርጫ ክካየድ ብዘሕለፎ ውሳኔ መሰረት ከኣ ኣብ 7 ጥቅምቲ ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

እንተኾነ ቀንዲ መተሃላልኺ ፕረዚንት ኡሁሪ ኬንያታ ዝኾነ ራይላ ኦዲንጋ፣ እቲ ምርጫ ኣብ 24 ቅምቲ ክካየድ’ዩ ዝጽውዕ ዘሎ።

ኣብቲ ምርጫ 54 ሚእታዊት ናይ ድምጺ ብልጫ ብምርካብ ከምዝተዓወተ ዝተነግረሉ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፣ ንውሳኔ’ቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዋላ’ኳ እንተተቓወሞ፣ ንሕጊ ሃገር ንምእዛዝ ግና ነቲ ውሳኔ ብኣኽብሮት ከምዝተቀበሎ’ዩ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ ታሪኽ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውዱቕ ዝኸውን ዘሎ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ኬንያ ኣብ መስርሕ ምህናጽ ደሞክራሲ ዓቢ ለውጢን ኣርእያ ንካልኦት ሃገራት እዛ ኣህጉርን ክኸውን ከምዝኽእል ተንተንቲ ኣድናቖቶም ይገልጹ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0