ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል ንራብዓይ እዋኑ ተሰጋጊሩ

Radio Erena: 22 December 2016

Soma

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል ዝካየደሉ ዕለት ንራብዓይ እዋኑ ከምዝተሰጋገረ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ሓፈሻዊ ምርጫ ሶማል ኣብ ወርሒ መስከረም ክካየድ እኳ እንተነበሮ፣ ብሰንኪ ጸጥታዊ ስግኣትን ብልሽውና ኣባላት ባይቶን ብግቡእ ክሰላሰል ብዘይምኽኣሉ ክሰጋገር’ዩ ጸኒሑ።

ኮሚሽነር ምርጫ ሶማል ዑመር መሓመድ ዓብዱለ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ዝሃቦ መግለጺ፣ ምርጫ ሶማል ንሳልሳይ እዋኑ ከምዝተሰጋገረ ብምጥቃስ፣ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ግና ፕረዚደንት ክፍለጥ ምዃኑ’ዩ ሓቢሩ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ካብ ሶማል ዝተፈነወ ሓበሬታ ከምዘረጋግጾ፣ ምርጫ ሶማል ዝካየደሉ ዕለት ሕጂ’ውን ንራብዓይ እዋኑ ተሰጋጊሩ ኣሎ።

ብመሰረት ወጺኡ ዘሎ ሓድሽ መደብ፣ ምርጫ ኣባላት ባይቶ ኣብ 5 ጥሪ፣ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከኣ ኣብ 22 ጥሪ 2017 ክካየድ’ዩ።

ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ዝግብኦ መናብር ኣባልነት ባይቶ፣ በብዘለዎ ኣገዳስነት ካብ 5 ሽሕ ክሳብ 30 ሽሕ ዶላር ይሽየጥ ምህላዉ፣ ኣውራ ጠንቂ ምስንኻል ምርጫ ሶማል ኮይኑ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

ኣብዚ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝወዳደሩ ሕጹያት፣ 30 ሽሕ ዶላር ትሕጃ ክኸፍሉን ብውሕዱ ናይ 20 ኣባላት ባይቶ ደገፍ ክረኽቡን ኣለዎም።

ሶማል ብሰንኪ ጸጥታዊ ስግኣት ስሩዕ መንግስታዊ ኣካይዳ ክትክተል እኳ እንተዘይክኣለት፣ ማዕረ’ቲ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ብልሽውና’ውን ሓኒቑ ሒዙዋ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0