ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሊብያ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ሓድሽ ወጥሪ ተኸሲቱ

Radio Erena: 07 March 2022
ንምብራቓዊ ሊብያ ዘመሓድር ዘሎ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝመረጸ ኣብ ዘፍለጠሉ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ሓድሽ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ወኪል’ቲ ውድብ ኣብ ሊብያ ስተፋኒ ዊልያምስ ብ5 መጋቢት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ባይቶ መንግስቲ ምብራቓዊ ሊብያ ንነዊሕ እዋን ከሰጋግሮ ዝጸንሐ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣካዪዱ ንዓብዱል ሓሚድ ደበይባ ድሕሪ ምምራጹ፣ ኣዘዝቲ’ተን ካልኦት ምምሕዳራት ተቓውሞታቶም የስምዑ ከምዘለዉ ሓቢራ።
እታ ወኪል፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሊብያ ዳግማይ ናብ ውግእ ሓድሕድ ንኸይትሽመም ዘለዋ ኣማራጺ፣ ካብ ኩሎም ወገናት ዝተዋጸአት ሽዱሽተ ዝኣባላታ ኮሚቴ ብምቛም፣ ብማእከልነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሓጊዛ ንድፊ መርሓ ሕንጻጽ ከተቕውም፣ ዝብል እማመ ኣቕሪባ።
ዓብዱል ሓሚድ ደበይባ፣ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ 2021 እዩ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ብግዚያውነት ስልጣን ክሕዝ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተመዚዙ።
ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ሞዓመር ኣልቐዛፊ፣ ሊብያ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ሓይልታት ተገሚዓ፣ ሓዲ ኣብ ትሪፖሊ፣ ካልእ ከኣ ኣብ ቶብሩክ ብዝሰረቱ መንግስታት ትመሓደር ኣላ።
ክልቲኦም ወገናት ሓድሕድ እንዳተወቓቐሱ ከካዪዱዎ ብዝጸንሑ ደማዊ ኲናት፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ግዳያት ክኾኑ ጸኒሖም እዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0