ፕረዚደንታት ኤርትራን ግብጽን ኣብ ጉዳያት ናይል፣ ቀይሕባሕርን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘትዮም

ፕረዚደንታት ኤርትራን ግብጽን ኣብ ጉዳያት ናይል፣ ቀይሕባሕርን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘትዮም

Radio Erena : 10 September, 2014

Afewerki Sisi

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጉዳያት ናይልን፣ ቀይሕባ ባሕርን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ንምዝርራብ ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ዑደት የካይድ ኣሎ።

ክልቲኦም ፕረዚደንት ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ቤት መንግስቲ ኣል ኢቲሃድያ ኣብ ዘካይድዎ ዝርርብ፣ ኤርትራን ግብጽን ዘለዎ ቁተባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካውን ዲፕሎማቲካውን ዝምድናታት ናብ ዝልዓለ ደረጅኡ ንምዕራጉ ሓሳብ ተለዋዊጦም።

ኣብ ንግድን ወፍሪን ክህሉ ዝኽእል ዕድላት ድሕሪ ምዝርራብ ድማ ኣበርክቶ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዞባውን ኣህጉራዊ መድረኻት እንታይ ክመስል ከምዝኽእል ዘትዮም።

 

ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓቢሮም ዝተጓዕዙ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣኣቶ የማን ገብርኣብን’ውን በብወገኖም ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ግብጺ ርክባት ኣካይዶም።

ዝምድና ኤርትራን ግብጽን ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ናይል ምስሕሓበን ሓድሽ መድረኽ ሒዙ ይርከብ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0