ሙጋበን ኢሳይያስን ሞይቶም ዝብል ጸጸኒሑ ዝጋዋሕ ዘሎ ወረ ህዝቢ ክእለይሉ ካብ ዘለዎ ድሌት ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ

ሙጋበን ኢሳይያስን ሞይቶም ዝብል ጸጸኒሑ ዝጋዋሕ ዘሎ ወረ ህዝቢ ክእለይሉ ካብ ዘለዎ ድሌት ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ

Radio Erena: 15 January 2016

Mugabe Isu

ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ ብጽኑዕ ሓሚሙ ወይ ሞት እናተባህለ ክጋዋሕ ዝቐነየ ወረ ሓሶት’ዩ ክብል ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዚምባብዌ ትማሊ ሓሙስ 14 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ወዲ 91 ዓመት ፕረዚደንት ሙጋበ ብሰንኪ ወቕዒ ልቢ ድሕሪ ምውዳቑ፣ ብሃንደበት ሞይቱ ዝብል ክጋዋሕ ዝቐነየ ወረ ሓሶት ምዃኑ ጠቒሱ።

ብመንግስቲ እትውነን ጋዜጣ ሄራልድ ብወገና፣ ፕረዚደንት ሙጋበ ምስ ምሉእ ጥዕንኡ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፣ እቲ ፕረዚደንት ዓመታዊ ዕረፍቲ ኣብ ዝወስደሉ ግዜ፣ ምስ ጥዕንኡ ዝተተሓሓዘ ወረ ከምዝጋዋሕ ብምጥቃስ፣ እዚ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝተናፈሰ ወረ’ውን ከም ናይ ዝሓለፈ እዋናት ሓሶት’ዩ ክትብል ገሊጻ።

 

እቲ ፕረዚደንት ኣብ መስኮት ቴሌቪዥን ይኹን ኣብ ዝኾነ ንጥፈታት ኣብ ዘይርኣየሉ እዋናት፣ ብጽኑዕ ሓሚሙ ወይ ሞይቱ ዝብል ወረ ኣብታ ሃገር ከምዝጋዋሕ ዝፍለጥ’ዩ።

እዚ ኣብ ዚምባብዌ በብእዋኑ ዝጋዋሕ ሕማም ወይ ሞት ናይቲ 35 ዓመታት ነታ ሃገር ብምልኪ ዝመርሐ ፕረዚደንት ሙጋበ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ጸጸኒሑ ዝጋዋሕ ሕማም ወይ ሞት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ዩ ዝመሳሰል።

እዚ ከኣ ህዝቢ ካብቶም ን10ታት ዓመታት ስልጣን ብሒቶም ዘለዉ መለኽቲ ክእለይሉ ከምዝደሊ ዘመልክት ምዃኑ’ዮም ተዓዘብቲ ዘረድኡ።

ወዲ 91 ዓመት ፕረዚደንት ሙጋበ ንዚምባብዌ ካብ እዋና ናጽነታ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ን35 ዓመታት ብዘይዝኾነ ለውጥን ውሕሱ ምስግጋር ስልጣንን ክመርሓ እንከሎ፣ እታ ሓደ እዋን ሞሶብ ኣፍሪቃ እናተባህለት እትግለጽ ዝነበረት ሃገር፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናንቖልቆለት ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ዘይብላን ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለምን ኮይና ትርከብ።

ኣብ ክሊ ዕድመ 70ታት ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ካብዚ ብዘይፍለ፣ ንኤርትራ ን25 ዓመታት ብዘይምርጫ፣ደሞክራስያዊ ለውጥን ፖለቲካዊ ጽገናን እናመሓደረ፣ ተስፋ ኣፍሪቃ ክትከውን ትጽቢት ንዝነበራ ሃገር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብምግሃስ መሰል ዜጋታታን ብስደትን ከምእትልለ ጌሩዋ ኣሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0