ፓርላማ ሶማል ካብ ስልጣኑ ዝሰጎጎ ቀ/ሚ ነበር፣ ንፕረዚደንት ክወዳደር ምዃኑ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 15 September 2020

ፓርላማ ሶማል፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ ካብ ስልጣኑ ዝሰጎጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሓሰን ዓሊ ኻይረ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክወዳደር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ክልተ ዓመታት፣ ሓያሎ እወታዊ ለውጥታት ከምዝተመዝገቡ ዘዘኻኸረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፣ ዝያዳ ተመክሮ ደሊቡ ስለዘሎ፣ ንፕረዚደንት ክወዳደር ምውሳኑ ገሊጹ።

ወዲ 52 ዓመት ሓሰን ዓሊ ኻይረ፣ ናይ ሶማልን ነርወይን ዜግነት ዘለዎ ፖለቲከኛ’ዩ።

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ዝመጽእ ዓመት ብዛዕባ ዝካየድ ምርጫ ኣመልኪቱ፣ ምስ መራሕቲ ሰለስተ ዞባታትን ከንቲባ ከተማ ሞቛድሾን ኣብ ስምምዕ በጺሑ እኳ እንተሎ፣ ዝተቓወማ ዞባታት’ውን ኣለዋ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0