ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘለዋ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ወቒሱ

Radio Erena: 12 October 2020

ስዑዲ ዓረብ፣ ብምኽንያት ለበዳ ኮረና ቫይረስ ድሕሪ ዝኣወጀቶ ኣዋጅ ምዕጻው፣ ልዕሊ 16 ሽሕ ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሓደ መኽዘን ጸፋጺፋ ሒዛቶም ከምዘላ ክቃላሕ ጸኒሑ’ዩ።

መብዛሕቶም እዞም ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ዘለውዎ ሕማቕ ኩነታትን ኣተሓሕዛን፣ ብማሕበራዊ ሜድያ ልሒዅ ድሕሪ ምውጽኡ፣ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ዓለም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ።

እንተኾነ፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ነቶም ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ክሳብ ዘፋንዎም ዝኾነ ካልእ ኣማራጺ ክወስድ ኣይተራእየን።

ዝበዝሑ ግዳያት እቲ ኣተሓሕዛ ዜጋታቱ ዝኾኑ መንግስቲ ኢትዮጵያውን፣ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ተቓውሞ ይኹን ነቐፌታ ኣየስምዐን።

ብኣንጻሩ፣ ኣብ ማእስርቲ ዝርከቡ ዜጋታቱ፣ ዘለውዎ ኩነታት ዘቃልዕ ኣሳእል ብማሕበራዊ ሜድያታት እንተዘርጊሖም ዝበኣሰ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ከምዘጠንቀቖም ዘ ቴሌግራፍ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ይርከብ።

ፓርላማ ኤውሮጳ ብ8 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ነዚ ምስ ባርነት ዝጽብጸብን ኣረሜናውን ኣተሓሕዛ ስደተኛታት፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ሰብ’ዩ ክብል ኮኒንዎ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣማኢት ካብዞም ኢትዮጵያውያን ክትመልስ እንከላ ካልኦት ኣማኢት ንምምላስ’ውን ኣብ መስርሕ ትርከብ።

እታ ሃገር፣ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተታሒዞም ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራ ናብ ዓዶም ንምምላስ’ውን ምስ መንግስቲ ኤርትር ተዘራሪባ ኣላ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0