ፑንትላንድ፣ ጓል 14 ዓመት ንዝዕድሚኣ ቆልዓ ዝዓመጹ ክልት መንእሰያት ንሞት ተፈሪዶም

Radio Erena: 06 November 2020

ቤት ፍርዲ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ንጓል 14 ዓመት ቆልዓ ዓሚጾም ናብ ሞት ዘብጽሑ ክልተ መንእሰይት ብሞት ክቕጽዑ ፈሪድዎም።

እቶም መሓመድ ዓብዲ ፋራይን ዓብድራሕማን መሕመድ ኢሻቕን ዝተባሃሉ ክልተ መንእሰያት፣ ኣብ ወደባዊት ከተማ ቦሳሶ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረብሉ፣ ነታ ቆልዓ ጨውዮም ብምውሳድ ዓሚጾም ከምዝቐተልዋ ከምዝተኣመኑ ማዕከናት ዜና ካብታ ርእሰ ምምሕዳር ሓቢሩ።

ኣብ ሶማልን ርእሰ ምምሕዳራትን፣ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ብፍላይ ድማ ቆልዑ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ እናዛየደ ብምምጽኡ፣ ሓያሎ ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ንሞት ክቕጽዑ ብተደጋጋሚ ዝስማዕ ኣርእስተ ዜና ኮይኑ ኣሎ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0